| ← Jonah (3/4) → |
| 1. | ንዮናስ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከአ ኣውጀላ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። |
| 2. | ንዮናስ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከአ ኣውጀላ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። |
| 3. | ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፡ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። |
| 4. | ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺአቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሐ ክትግምጠል እያ፡ ኢሉ አወጀ። |
| 5. | ሰብ ነነዌ ኸአ ንኣምላኽ አመኑ፡ ጾም ድማ አወኩ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናኣሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። |
| 6. | እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፡ ካብ ኣፉ ዝተንስኤ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ክሻ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቐመጠ። |
| 7. | ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተአወጀ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፡ ኣይውፈራ፡ ማይውን ኣይስተያ፡ |
| 8. | ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፡ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከድ ከአ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። |
| 9. | ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፡ ንሕና ኸይንጠፍእ ከአ ካብ ጉህር ቁጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ። |
| 10. | ኣምላኽ ከአ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረአዩ፡ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከአ። |
| ← Jonah (3/4) → |