Jonah (1/4)  

1. ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዩቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ።
2. ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዩቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ።
3. ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፡ ናብ ያፋ ኸአ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፡ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከአ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ አተወ።
4. እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።
5. እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈኽሰሎም ከአ፡ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደረበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ፡ ከቢድ ድቃስውን ደቂሱ ነበረ።
6. እቲ ሐለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፡ ኣታ ደቃሲ፡ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ ተንስእ፡ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽ ከይጠፍእ እንተ ሐሰበናስ፡ ናብ ኣምላኽካ ተምህለል በሎ።
7. ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኸበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፡ ተባሃህሉ። ዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት።
8. ሽዑ ንሳቶም፡ ንገረና ኾታ፡ እዚ ረኪቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጺእካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ በልዎ።
9. ንሱ ኸአ፡ ኣነ እብራዊ እየ፡ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይውን እፈርሆ እየ፡ በሎም።
10. ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ኻብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም ፈለጡ፡ ዓብዩ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደአ እዚ ገብረካ፡ ከአ በልዎ።
11. እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ በልዎ።
12. ንሱ ድማ፡ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፡ እቲ ባሕሪ ኸአ ኪሀድኣልኩም እዩ፡ በሎም።
13. እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኽምለሱ ብምቕጻፍ ይጋደሉ ነበሩ፡ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እንበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን።
14. ሽዑ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንልምነካ አሎና፡ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ዝፈቶኻዮ ፌርካ ኢኻ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።
15. ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደረበይዎ፡ እቲ ባሕሪውን ካብ ምንዋጹ ሀድኤ።
16. እቶም ሰባት ከአ ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርሁ፡ መስዋእቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ፡ መብጽዓውን ተማባጽዑ።

      Jonah (1/4)