John (9/21)  

1. ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ።
2. ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
3. የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ።
4. መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ።
5. ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
6. እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፍውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ለኸየ እሞ፡
7. ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆምትርጓሜኡ ልኡኽ፡ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ።
8. ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ።
9. ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ።
10. ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ።
11. ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
12. እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፈልጥን፡ በሎም።
13. ነቲ ቕድም ዕውር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።
14. እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት።
15. ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም።
16. ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፡ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ።
17. ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕውር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነብዪ እዩ፡ በለ።
18. እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዕ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፡
19. እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም።
20. እቶም ወለዱ ድማ፡ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ።
21. ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ።
22. ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስክረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጒዎ ሐጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።
23. ስለዚ እቶም ወለዱ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ።
24. ሽዑ ነቲ ዕውር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሀብ፡ በልዎ።
25. ሽዑ ንሱ መሊሱ፡ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም።
26. ሽዑ ንሳቶም፡ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ።
27. ንሱ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
28. ጸረፍዎ እሞ፡ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።
29. ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ።
30. እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።
31. ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና።
32. ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።
33. እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
34. ንሳቶም ከኣ፡ ንስኻ ዂለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ።
35. የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ።
36. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ።
37. የሱስ ድማ፡ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ።
38. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን።
39. የሱስ ድማ፡ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ።
40. ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፡ ንሕናኸ ዕውራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ።
41. የሱስ ድማ፡ ዕውራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጥኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ንርኢ ኣሎና፡ ትብሉ ኣሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም

  John (9/21)