John (8/21)  

1. የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ።
2. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ።
3. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፡
4. መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተታሒዛ።
5. ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ። ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ።
6. መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።
7. ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም።
8. ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።
9. ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኲሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ።
10. የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ዝፈረደኪዶ የልቦን፧ በላ።
11. ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።
12. ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።
13. ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር ኣሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ።
14. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
15. ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ ኣይፈርድን እየ።
16. ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ።
17. ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ ኣሎ።
18. ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ ኣሎ።
19. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ።
20. የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን።
21. ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ኣነ እኸይድ ኣሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።
22. ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ኢሉ፧ በሉ።
23. ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን።
24. ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።
25. ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ።
26. ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር ኣሎኹ፡ በሎም።
27. ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን።
28. ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
29. እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኲሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።
30. ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።
31. ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
32. ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
33. ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እት ብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ።
34. የሱስ መለሰሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።
35. ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዂሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዂሉ ጊዜ ይነብር እዩ።
36. ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።
37. ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም።
38. ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም።
39. ንሳቶም፡ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
40. ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን።
41. ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ።
42. የሱስ በሎም፡ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።
43. ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ።
44. ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
45. ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን።
46. ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧
47. እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።
48. ኣይሁድ ከኣ፡ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለሱሉ።
49. ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣሎኹም።
50. ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደሊን ዝፈርድን ግና ኣሎ።
51. ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
52. ኣይሁድ ድማ፡ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፡ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ፡ ትብል ኣሎኻ።
53. ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዐቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧ በልዎ።
54. የሱስ ከኣ፡ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።
55. ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እሮአ።
56. ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።
57. ኣይሁድ ከኣ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ።
58. የሱስ ከኣ፡ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከምዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
59. ስለዚ ኺድርብዪሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።

  John (8/21)