John (7/21)  

1. ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።
2. እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
3. ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
4. ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
5. ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኸርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
6. የሱስ ከኣ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ።
7. ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ።
8. ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም።
9. እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ።
10. እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን።
11. ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።
12. እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ። ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ።
13. ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን።
14. የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ።
15. ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ።
16. ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፡ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።
17. ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረቦ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።
18. እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።
19. ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፧
20. እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ጋኔን ኣሎኻ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለሱሉ።
21. የሱስ ከኣ፡ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዂላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም።
22. ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፡ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እሞበር፡ ካብ ሙሴ ኣይኰነን፡ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣሎኹም።
23. እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኲለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዂርዩለይ ኣሎኹም፧
24. ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
25. ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧
26. እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊዕጦም ኰይኖም፧
27. ግናኸ እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።
28. የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፡ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎም ኢኹም።
29. ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ።
30. ስለዚ ኪሕዝው ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን።
31. ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ።
32. ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጒረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ።
33. ስለዚ የሱስ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ።
34. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩም እዩ፡ በሎም።
35. ስለዚ ኣይሁድ፡ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ክምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧
36. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓል እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ።
37. በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።
38. ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።
39. የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።
40. ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፡ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
41. ካልኦትውን፡ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፡ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧
42. እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤትልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፧ በሉ።
43. ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ።
44. ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዐለሉ ግና የልቦን።
45. እቶም ገላው ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም።
46. እቶም ገላዉ፡ ከምዚ ሰብኣይ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ።
47. ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧
48. ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧
49. እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
50. ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፡
51. ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔ እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።
52. ንሳቶም፡ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ።
53. ኲሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።

  John (7/21)