John (6/21)  

1. ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ።
2. ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዐብዎ።
3. የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ።
4. ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
5. ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፡ እዚኣቶም ምእቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ።
6. እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዚበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ።
7. ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቊራሳይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
8. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡
9. ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕሞ፧ በሎ።
10. የሱስ ከኣ፡ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቊጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ።
11. የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሀቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም።
12. ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም።
13. ስለዚ ኣክብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዕ ኻብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኤ።
14. እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
15. የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።
16. ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።
17. ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።
18. እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ።
19. ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮምዎ ፈርሁ።
20. ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም።
21. ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ምድሪ በጽሔት።
22. ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፡
23. ግናኸ ኻልኦት ጃላቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኻ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፡
24. ሽዑ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃላቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ።
25. ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧ በልዎ።
26. የሱስ ድማ፡ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
27. ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
28. ስለዚ ንሳቶም፡ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧ በልዎ።
29. የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።
30. ስለዚ፡ ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር ኣሎኻ፧
31. ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሀቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ።
32. ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
33. ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
34. ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ዂሉ ሳዕ ሀበና፡ በልዎ።
35. የሱስ በሎም፡ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ።
36. ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን።
37. ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
38. ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።
39. ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ።
40. ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ።
41. ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጒረምረሙ እሞ፡
42. እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል ኣሎ፧ ይብሉ ነበሩ።
43. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጒረምርሙ።
44. እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
45. ኣብ ነብያትውን፡ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።
46. ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ።
47. እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
48. እንጌራ ህይወት ኣነ እየ።
49. ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ።
50. ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።
51. እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።
52. ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ።
53. የሱስ በሎም፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኸምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
54. ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
55. ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ።
56. እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ።
57. ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ።
58. እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።
59. ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።
60. ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።
61. የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፡ እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧
62. ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧
63. መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።
64. የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምኻኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡
65. ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፡ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ዝበልኩኹም፡ በሎም።
66. ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።
67. ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም።
68. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን ኦ ኽንከይድ፧
69. ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፡ ኢሉ መለሰሉ።
70. የሱስ ከኣ፡ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
71. እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

  John (6/21)