John (5/21)  

1. ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።
2. ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ።
3. ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ።
4. እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ።
5. ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ።
6. የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ።
7. እቲ ሕሙም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ።
8. የሱስ ከኣ፡ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ።
9. እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።
10. ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ።
11. ንሱ ግና፡ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም።
12. ንሳቶም፡ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
13. እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።
14. ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።
15. እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም።
16. ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጒዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
17. የሱስ ግና፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
18. ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።
19. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።
20. ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዂሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ።
21. ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።
22. ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።
23. ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።
24. እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
25. እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
26. ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ፡ ህይወት ሀቦ።
27. ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሀቦ።
28. ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።
29. ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።
30. ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።
31. ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።
32. ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ።
33. ንስኻትኩም ናይ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ።
34. እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን።
35. ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም።
36. ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር ኣሎኒ።
37. እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን።
38. በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን።
39. ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ።
40. ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።
41. ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቕበልን እየ
42. ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም እፈልጠኩም ኣሎኹ።
43. ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
44. ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧
45. ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸሰኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ።
46. ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።
47. ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧

  John (5/21)