← John (5/21) → |
1. | ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። |
2. | ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። |
3. | ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። |
4. | እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። |
5. | ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። |
6. | የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። |
7. | እቲ ሕሙም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
8. | የሱስ ከኣ፡ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። |
9. | እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። |
10. | ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ። |
11. | ንሱ ግና፡ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
12. | ንሳቶም፡ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። |
13. | እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። |
14. | ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። |
15. | እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። |
16. | ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጒዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። |
17. | የሱስ ግና፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
18. | ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። |
19. | የሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። |
20. | ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዂሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። |
21. | ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። |
22. | ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። |
23. | ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። |
24. | እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
25. | እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
26. | ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ፡ ህይወት ሀቦ። |
27. | ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሀቦ። |
28. | ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። |
29. | ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። |
30. | ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። |
31. | ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። |
32. | ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። |
33. | ንስኻትኩም ናይ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። |
34. | እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። |
35. | ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። |
36. | ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር ኣሎኒ። |
37. | እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። |
38. | በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን። |
39. | ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። |
40. | ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። |
41. | ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቕበልን እየ |
42. | ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም እፈልጠኩም ኣሎኹ። |
43. | ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። |
44. | ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ |
45. | ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸሰኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። |
46. | ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። |
47. | ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧ |
← John (5/21) → |