John (3/21)  

1. ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
2. ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፡ ረቢ፡ ብጀካ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ በሎ።
3. የሱስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
4. ኒቆዲሞስ ከኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ።
5. የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።
6. ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።
7. ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።
8. ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።
9. ኒቆዲሞስ ከኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ።
10. የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢካ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
11. ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
12. ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧
13. ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።
14. ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።
15. ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።
16. ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
17. ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
18. ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።
19. እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።
20. ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን።
21. እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።
22. ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ።
23. ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ።
24. ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ።
25. ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ።
26. ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኲሉ ኸኣ ናብኡ ይከይድ ኣሎ፡ በልዎ።
27. ዮሃንስ ከኣ መሉሱ በለ፡ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ።
28. ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።
29. እቲ መሮዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ።
30. ንሱ ኺዐቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።
31. እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ።
32. ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር።
33. እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ።
34. ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።
35. ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኲሉ ኣብ ኢዱ ሀቦ።
36. ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ቊጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

  John (3/21)