John (21/21)    

1. ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፡
2. ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ።
3. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን።
4. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
5. የሱስ ከኣ፡ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፡ የብልናን፡ ኢሎም መለሱሉ።
6. ንሱ ኸኣ፡ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ።
7. እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፡ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።
8. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐቡዎ፡ ብጃልባ መጹ።
9. ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ።
10. የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም።
11. ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን።
12. የሱስ ድማ፡ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን።
13. የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ።
14. የሱስ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳልይ ጊዜኡ እዩ።
15. ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ዕያውተይ ኣብሎዕ፡ በሎ።
16. ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።
17. ሳልሳይ ድማ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፡ ስለ ዝበሎ፡ ጒህዩ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ዂሉ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።
18. ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
19. ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፡ ስዐበኒ፡ በሎ።
20. ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወዲ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፡ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ፡ ዝበሎ እዩ።
21. ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፡ በሎጅ።
22. የሱስ ከኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ።
23. ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።
24. እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወደ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25. የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኲሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዂላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።

  John (21/21)