| ← John (2/21) → |
| 1. | ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። |
| 2. | የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዐደመ። |
| 3. | ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፡ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። |
| 4. | የሱስ ድማ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። |
| 5. | ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ንሱ ዚብለኩም ኲሉ ግበሩ፡ በለቶም። |
| 6. | ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኸሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዚግብእ እዩ። |
| 7. | የሱስ፡ ነዚ ኣጋንእን ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። |
| 8. | ሽዑ፡ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። |
| 9. | እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዐሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ |
| 10. | ኲሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። |
| 11. | የሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። |
| 12. | ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። |
| 13. | ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። |
| 14. | ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። |
| 15. | ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። |
| 16. | ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። |
| 17. | ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑር ከም ዘሎ ዘክሩ። |
| 18. | ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። |
| 19. | የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። |
| 20. | እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። |
| 21. | ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። |
| 22. | ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። |
| 23. | ነቲ፡ ይሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። |
| 24. | የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን። |
| 25. | የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን። |
| ← John (2/21) → |