John (19/21)  

1. ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ።
2. እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ።
3. መመጺኦም ከኣ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ።
4. ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
5. ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾዂ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።
6. ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ገላዉን ምስ ረኣይዎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም።
7. ኣይሁድ ከኣ፡ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩይ፡ ኢሎም መለሱሉ።
8. ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ።
9. ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን።
10. ጲላጦስ ከኣ፡ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።
11. የሱስ ከኣ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
12. ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፡ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዂሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።
13. ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።
14. ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፡ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም።
15. ሽዑ ንሳቶም፡ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፡ ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ።
16. ሽዑ ኺስቐል ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ።
17. መስቀሉ ጸይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ።
18. ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም።
19. ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ።
20. እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ።
21. ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ።
22. ጲላጦስ፡ ዝጸሐፍክዎ ጽሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ።
23. እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነንሓድ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።
24. ንሓድሕዶም ከኣ፡ ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃህሉ። እቲ፡ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።
25. ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።
26. የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወዲ መጽሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ።
27. ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
28. ድሕርዚ የሱስ ኲሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ጸማእኩ፡ በለ።
29. ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።
30. የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፡ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት።
31. ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዂልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።
32. ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።
33. ናብ የሱስ መ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝዓረፈ ርእዮም፡ መሓዂልቱ አይሰበርዎን።
34. ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።
35. እቲ ዝረኣየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ።
36. እቲ፡ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።
37. ካልእ ጽሑፍውን፡ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።
38. ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ።
39. እቲ ቕድሚ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ።
40. ንስጋ የሱስ ወስዲ፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ።
41. ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ።
42. እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

  John (19/21)