John (18/21)  

1. የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።
2. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ።
3. ይሁዳ ነቶም ጥፍራ ሮማውያንን ንገላው ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ መጸ።
4. ሽዑ የሱስ ዝመጾ ዘሎ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም።
5. ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።
6. ሽዑ፡ ኣነ እየ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ።
7. ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ በሉ።
8. እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኸፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም።
9. እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኸፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም።
10. ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ።
11. የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፡ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነቲ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧ በሎ።
12. ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።
13. ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፊ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ።
14. ቀያፊ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ።
15. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ።
16. ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዓጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።
17. ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዓጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፡ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ በለ።
18. ብዙሕ ቊሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላዉን ሓቂ ኣጒሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።
19. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ።
20. የሱስ ከኣ፡ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ፡ ኲሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን።
21. ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ ኣሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ።
22. እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላዉ ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ ኣሎኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ።
23. የሱስ ከኣ፡ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
24. ሃና ከኣ፡ ናብ ቀያፊ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።
25. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፡ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ።
26. ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ።
27. ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ።
28. ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፊ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።
29. ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ ኣሎኹም፧ በሎም።
30. ንሳቶም፡ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉ።
31. ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ።
32. ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ።
33. ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ በሎ።
34. የሱስ ድማ፡ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፧ ኢሉ መለሰ።
35. ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናት ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
36. የሱስ ከኣ፡ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን፡ ኢሉ መለሰ።
37. ጲላጦስ ድማ፡ እምብኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዂሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
38. ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡
39. ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧ በሎም።
40. ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ን አዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።

  John (18/21)