John (16/21)  

1. ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።
2. ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
3. ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብሩኹም፡ እዮም።
4. ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም።
5. ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።
6. እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።
7. ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
8. ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።
9. ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ።
10. ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን።
11. ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ።
12. ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ግና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
13. እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኲሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
14. ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።
15. እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዂሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፡ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።
16. ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።
17. ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፡ እዚ፡ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተባሃህሉ።
18. ስለዚ፡ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ።
19. የሱስ ከኣ ኪሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ ኣሎኹም፧
20. ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ናህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
21. ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጒሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጒሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።
22. እምብኣርከ ንስኻትኩኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።
23. በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኸም ዚህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
24. ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።
25. እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
26. በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ።
27. በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ።
28. ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ።
29. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን።
30. ኲሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን ኣሎና፡ በልዎ።
31. የሱስ ከኣ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧
32. እንሆ፡ ኲላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።
33. ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

  John (16/21)