| ← John (13/21) → |
| 1. | የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። |
| 2. | ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። |
| 3. | የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሀቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ |
| 4. | ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ። |
| 5. | ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛምርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቀ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀሚሩ። |
| 6. | ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣኣጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፡ በሎ። |
| 7. | የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። |
| 8. | ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 9. | ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። |
| 10. | የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሓጽበ፡ ኩለንተናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኲላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። |
| 11. | ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኲላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ። |
| 12. | ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሐጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩምልሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፡ በሎም። |
| 13. | ንስኻትኩም መምርህን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። |
| 14. | ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። |
| 15. | ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። |
| 16. | ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 17. | ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። |
| 18. | ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ። |
| 19. | ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ። |
| 20. | ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 21. | የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጉህዩ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። |
| 22. | እቶም ደቀመዛምርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። |
| 23. | ካብ ደቀ መዛምርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። |
| 24. | ንዕኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። |
| 25. | እቲ ኣብ ኣፍልቢ የሱስ ተጐዝጒዙ ዘሎ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፡ በሎ። |
| 26. | የሱስ ከኣ፡ እቲ ኣነ ቑራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ከኣ ቊራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆርታዊ ሀቦ። |
| 27. | ድሕሪ እታ ቚራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። |
| 28. | ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። |
| 29. | ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፡ ንበዓል እንደልዮ ዐድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሀብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። |
| 30. | ንሱ ግና ነታ ቚራስ እንጌራ ምስ ተቐበላ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ። |
| 31. | ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፡ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። |
| 32. | ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። |
| 33. | ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። |
| 34. | ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። |
| 35. | ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉ ኺፈልጥ እዩ። |
| 36. | ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 37. | ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይኑ፧ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ። |
| 38. | የሱስ ከኣ፡ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደኒስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| ← John (13/21) → |