John (13/21)  

1. የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
2. ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።
3. የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሀቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡
4. ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ።
5. ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛምርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቀ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀሚሩ።
6. ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣኣጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፡ በሎ።
7. የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ።
8. ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ።
9. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ።
10. የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሓጽበ፡ ኩለንተናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኲላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ።
11. ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኲላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ።
12. ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሐጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩምልሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፡ በሎም።
13. ንስኻትኩም መምርህን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም።
14. ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።
15. ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።
16. ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
17. ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።
18. ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ።
19. ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ።
20. ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
21. የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጉህዩ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ፡ ኢሉ መስከረ።
22. እቶም ደቀመዛምርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ።
23. ካብ ደቀ መዛምርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ።
24. ንዕኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ።
25. እቲ ኣብ ኣፍልቢ የሱስ ተጐዝጒዙ ዘሎ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፡ በሎ።
26. የሱስ ከኣ፡ እቲ ኣነ ቑራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ከኣ ቊራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆርታዊ ሀቦ።
27. ድሕሪ እታ ቚራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ።
28. ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።
29. ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፡ ንበዓል እንደልዮ ዐድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሀብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ።
30. ንሱ ግና ነታ ቚራስ እንጌራ ምስ ተቐበላ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ።
31. ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፡ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ።
32. ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።
33. ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ።
34. ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ።
35. ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉ ኺፈልጥ እዩ።
36. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
37. ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይኑ፧ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ።
38. የሱስ ከኣ፡ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደኒስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።

  John (13/21)