John (12/21)  

1. ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ።
2. ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ።
3. ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት።
4. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦም ግና፡
5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ።
6. እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፋዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።
7. ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።
8. ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።
9. ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላው ፈሊጦም፡ መጹ። ነቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ።
10. ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
11. ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
12. ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ቡዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡
13. ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።
14. ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
15. ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
16. ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዐልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሐ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ።
17. እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።።
18. ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ።
19. ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሀሉ።
20. ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ።
21. ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ።
22. ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ።
23. የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ።
24. ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።
26. ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።
27. ሕጅስ ነፍሰይ ጒህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ።
28. ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
29. ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጒዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፡ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ።
30. የሱስ መሊሱ በሎም፡ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን።
31. ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛእ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።
32. ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዂሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።
33. ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ።
34. ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉ።
35. ሽዑ የሱስ፡ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ።
36. ደቂ ብርሃን ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ።
37. እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።
38. እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።
39. ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።
40. ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።
41. ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ።
42. ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን።
43. ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን።
44. የሱስ ግና ጨደረ በለውን፡ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።
45. ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ።
46. እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ።
47. ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።
48. ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።
49. ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።
50. ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

  John (12/21)