| ← John (11/21) → |
| 1. | ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። |
| 2. | ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። |
| 3. | ስለዚ እተን ኣሓቱ፡ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። |
| 4. | የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ። |
| 5. | የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። |
| 6. | ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ። |
| 7. | ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም። |
| 8. | ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧ በልዎ። |
| 9. | የሱስ ከኣ፡ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። |
| 10. | እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። |
| 11. | እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። |
| 12. | ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ። |
| 13. | የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። |
| 14. | ሽዑ የሱስ ብግህዶ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ |
| 15. | ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። |
| 16. | ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቱ፡ ንሕናውንከ ምእሱ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም። |
| 17. | ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። |
| 18. | ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። |
| 19. | ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። |
| 20. | ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። |
| 21. | ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ |
| 22. | ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። |
| 23. | የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ። |
| 24. | ማርታ ድማ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። |
| 25. | የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። |
| 26. | ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። |
| 27. | ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ። |
| 28. | እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን ኣሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። |
| 29. | ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት። |
| 30. | የሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፍራ ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። |
| 31. | እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ማላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዐብዋ። |
| 32. | ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። |
| 33. | ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፡ |
| 34. | ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። |
| 35. | የሱስ ነብዔ።። |
| 36. | ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዮ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ። |
| 37. | ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ። |
| 38. | ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፡ እዚ ግና ብእምኒ እተዐጽወ በዓቲ እዩ፡ |
| 39. | የሱስ፡ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። |
| 40. | የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ። |
| 41. | ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዐልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣሎኹ። |
| 42. | እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኲሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለ። |
| 43. | እዚ ምስ በለ፡ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። |
| 44. | እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። |
| 45. | ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። |
| 46. | ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። |
| 47. | እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ |
| 48. | ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኲሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። |
| 49. | ሓደ ኻባታቶም ቀያፊ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ |
| 50. | ኲሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። |
| 51. | በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነበዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። |
| 52. | ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። |
| 53. | ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። |
| 54. | ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። |
| 55. | ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። |
| 56. | ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉ። |
| 57. | እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ። |
| ← John (11/21) → |