John (10/21)  

1. እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
2. እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።
3. ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዕ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን።
4. ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ።
5. ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን።
6. የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዐልዎን።
7. ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን።
9. እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ።
10. ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ።
11. እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።
12. እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዂላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሀድም። እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።
13. ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሀድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን።
14. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።
15. ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።
16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ።
17. ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ።
18. ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።
19. ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ።
20. ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዐብድ ኣሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እትሰምዕዎ፧ በሉ
21. ካልኦት ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧ በሉ።
22. ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ።
23. የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።
24. ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፡ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ።
25. የሱስ መለሰሎም፡ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ።
26. ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም። ኣይትኣምኑን ኢኹም።
27. እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
28. ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን።
29. እቲ ንኣታተን ዝሀበኒ ኣቦይ ካብ ኲሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን።
30. ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።
31. ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዐሉ።
32. የሱስ ኸኣ፡ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
33. ኣይሁድ ከኣ፡ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ።
34. የሱስ መለሰሎም፡ ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧
35. ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡
36. ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ትጻረፍ ኣሎኻ፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፧
37. ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ።
38. እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።
39. መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ።
40. ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ።
41. ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዂሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ።
42. ኣብአውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።

  John (10/21)