John (1/21)  

1. ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።
2. እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።
3. ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
4. ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።
5. ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።
6. ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ።
7. ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።
8. ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።
9. እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።
10. ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም።
11. ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።
12. ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም።
13. ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።
14. እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ዳ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
15. ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ።
16. ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።
17. ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።
18. ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ።
19. ኣይሁድ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፡
20. ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን።
21. ንሳቶም ድማ፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ድኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
22. ሽዑ ንሳቶም፡ መን ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ።
23. ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም።
24. እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ።
25. ንሳቶም ከኣ፡ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
26. ዮሃንስ ደማ፡ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።
27. እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ፡ ኢሉ መለሰ።
28. እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕጾ ዮርዳኖስ ኰነ።
29. ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።
30. እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ።
31. ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ።
32. ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስክረ።
33. እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን።
34. ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።
35. ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ።
36. ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።
37. እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዐብዎ።
38. የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ረቢ፡ ትርጉሙ መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በልዎ።
39. ንሱ፡ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዐሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት።
40. ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።
41. ንሱ ቕድም ንሓው ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ንመሲህ፡ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡ ረኸብናዮ፡ በሎ።
42. ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፡ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡ ክትብሀል ኢኻ፡ በሎ።
43. ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ።
44. ፊልጶስ ከኣ ብዓል ሳይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ።
45. ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እምኦ፡ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፋ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ።
46. ናትናኤል ድማ፡ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፡ ንዓ ርኤ፡ በሎ።
47. የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፡ እንሆ፡ ጒርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ።
48. ናትናኤል፡ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
49. ናትናኤል ድማ፡ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
50. ዮሱስ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፡ ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
51. ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።

      John (1/21)