Joel (3/3)    

1. እንሆ ኸአ፡ በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፡
2. ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከአ እተማቐልዋ ኣህዛብ፡ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኸአቱስ፡ ንኹሎም ህዝብታት ክእክብፕም፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከአ ከውርዶም እየ።
3. ንህዝበይ ዕጭ ኣውደቑሉ፡ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቖልዓ ሀቡ፡ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸአ።
4. ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
5. ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
6. ኣቱም ጢሮስ ሲዶናን ኹላኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ አሎኩም፡ ብሩርን ወርቀይን ወሲድኩም፡ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከአ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ዮርሳሌምን ከአ ካብ ዶቦም ከተርእቕዎምሲ፡ ናብ ደቂ ዮናናውን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ፍዳዶ ኽትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፡ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገር ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
7. እንሆ፡ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፡ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
8. ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፡ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ህዝብ፡ ናብ ለሰ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ።
9. እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት አውጁ፡ ውግእ ኣዳልው፡ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይውጽኡ።
10. ማሕረሻኹም ሰይፊ፡ ማዕጺድኩም ከአ ኩናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፡ ኣነ ጅግና እየ፡ ይበል።
11. ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኹልኹም ህዝብታት፡ ቀልጥፉ፡ ንዑ፡ ተአከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብኡ ጅጋኑኻ ኣውርዶም።
12. ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ፡ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከአ ይውጽኡ።
13. እከዮም ስለ ዝዐበየ፡ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ፡ እቲ መጽሙቑ መሊኡ፡ ኣጋንእ ከአ ይጅርብብ አሎ እሞ፡ ንዑ ርገጹ።
14. መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፡ ጭፍራ፡ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።
15. ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፡ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ።
16. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ድምጺ ኻብ ዮርሳሌም የስምዕ፡ ሰማይን ምድርን ከአ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቖቢ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።
17. ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ፡ ክትፈልጡ ኢኺም። ዮርሳሌም ከአ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም።
18. በታ መዓልቲ እቲአ ኪኸውን እዩ፡ ኣኽራን ኮልዒ ወይኒ ኺነትዑ፡ ኩርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዙ፡ ካብ ኩሉ ርባታት ይሁዳ ኸአ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዪ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኑ ማይ ኪፍልፍል፡ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።
19. ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፡ ግብጺ ኽትባድም፡ ኤዶም ከአ ጸምጸም በረኻ ኽትከውን እያ።
20. ይሁዳ ግና ንዘለአለም ትነብር፡ ዮርሳሌም ከአ ንውሉድ ወለዶ።
21. ኣነ ድማ ነቲ ጸየጽሬኽዎ ደሞም ክጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።

  Joel (3/3)