Joel (2/3)  

1. መዓልቲ እግዚኣብሄር ተመጽእ አላ፡ ቀሪባ ኸአ እያ እሞ፡ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለው ኹላቶም የንቀጥቅጡ።
2. መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን፡ መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕ። ዓብይን ሓያልን ህዝቢ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ፡ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶ ዚሐልፍ ከቶ ዘይኸውን።
3. ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞኽ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅስሚኡ ኸም ገነት፡ ኣብ ድሕሪኡ ኸም ጸምጸም በረኻ እያ፡ ካብኡ ዜምልጥውን የልቦን።
4. ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፡ ከም ፈረሰኛታት ይጎዩ።
5. ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት፡ ከምቲ ንሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ ፡ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።
6. ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ፡ ኩሉ ገጽ ይጽልም።
7. ከም ጀጋኑ ይጎዩ፡ ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ በብጎደናኡ ይሐልፍ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣየግልሱን።
8. ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን፡ ነፍሲ ወከፍ በበመገዱ ይሐልፍ፡ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይአትው ኣይቖስሉን ከአ።
9. ናብታ ኸተማ ይወሩ፡ ኣብ ቀጽሪ ይሆዩ፡ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፡ ከም ሰራቒ ብመሳኹቲ ይአትው።
10. ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት የንቀጥቅጥ፡ ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፡ ከዋኽብቲ ኸአ ብርሃኖም ይኽወሉ።
11. ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ፡ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ፡ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ፡ መንከ ኺጽመማ ይኽእል፡
12. እምበአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ንሱ ንኹራ ጸንጓዩ ብሳህሊ ኸአ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ፡ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ደአ ቕደዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
14. ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ኾነ፡ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ክዕነ፡ መን ይፈልጥ።
15. ኣብ ጽዮን መለኸት ነፍሑ፡ ጾም ቀደሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ።
16. ህዝቢ ኣኪቡ፡ ማሕበር ቀድሱ፡ ኣረገውቲ አክቡ፡ ቁልዑን ጡብ ዚጠብውን አክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይወጽእ፡ መርዓት ከአ ካብ ሕልፍኝአ።
17. እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ንሐፎ፡ ነቲ ርስትኻ፡ ኣህዛብ ኪገዝእዎ ኢልካ፡ ንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብ፡ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ። ዚበሀል።
18. እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤ፡ ንህዝቡ ኸአ ራሕርሔ።
19. እጊዝባሂር ንህዝቡ መለሰሉ በሎውን፡ እንሆ፡ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፡ ብእኡ ኸአ ክትጸግቡ ኢኹም፡ ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት መላገጺ ኣይገብረኩምን እየ።
20. ነቲ ሰሜናዊ ኻባኻትኩም ከርሕቆ፡ ናብ ደረቕን ዝዐነውን ምድሪ ኽሰጎ እየ፡ ገጽ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ዝባኑ ኸአ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ እዩ። ዓብዩ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ምብድባዱ ኺወጽእ፡ ምምሽማሹ ድማ ኪደይብ እዩ።
21. ኣቲ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ዓብዩ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ ተሕጎሲ ባህውን ይበልኪ።
22. ኣቱም እንስሳ መሮር፡ እቲ መጓሰዩ በረኻ ለምሊሙ፡ ኦም ፍሬኡ ይፈሪ፡ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከአ ሓይሉ ይህብ አሎ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
23. ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ዝናም ጽድያ ብልክዕ ይሀብኩም፡ ዝናብ ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም አሎ እሞ፡ ተሐጎሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ባህ ይበልኩም።
24. ኣዕውዲ ኸአ እኽሊ ኺመልእ፡ መጽመቑታትውን ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።
25. ኣነ ኸአ እቶም ኣንበጣን ኩብኩብታን ጎደበን ሓሰኻን፡ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዩ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ።
26. መብልዕ ክትበዑ ኽትጸብጉውን ኢኹም፡ ነቲ ተአምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለአለም ኣይሐንኽን።
27. ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘሎኹ፡ ኣነ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ፡ ብጀካይ ድማ ካልእ ከም ዜልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ህዝበይውን ንዘለአለም ኣይሐንኽን።
28. ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፡ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ክኽዑ እየ፡ አወዳትኩምን አዋልድኩምን፡ ኣጉባዝኩም ከአ ራእይ ኪርእዩ እዮም።
29. በተን መዓልትታት እትኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክኽዑ እየ።
30. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከአ ተአምራት፡ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፡ ክርኢ እየ።
31. እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፡ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፡ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።
32. ኪኸውን ከአ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ዮርሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኺድሕን እዩ።

  Joel (2/3)