Joel (1/3)  

1. ንዮኤል ወዲ ጱቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2. ኣቱም ኣረገውቲ፡ እዚ ስምዑ፡ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ኹላኩምውን ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ኾይኑ እዩ፡
3. እዚ ንደቅኹም ኣዘንትውሎም፡ ደቅኹም ከአ ንደቆም፡ ደቆምውን ነቲ ድሕራይ ወለዶ የዘንትውሉ።
4. ካብ ኩብኩብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፡ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸአ ጎደቦ በልዖ፡ ካብ ጎደቦ ዝተረፈ ድማ ሐሰኻ በልዖ።
5. ኣቱም ሰኸርቲ፡ ንቕሑን ብኸዩን፡ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ኹላትኩም፡ እቲ ኹልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ።
6. ቁጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸአ አለዎ።
7. ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፡ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፡ ብጥራስ ቀንጠጦ፡ ደርበዮ፡ ጨናፍሩውን ጻዕደወ።
8. ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ።
9. መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፊኡ፡ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ አለው።
10. እኽሊ በሪሱ፡ ኮልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሐዝን አላ።
11. እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ።
12. ተኽሊ ወይኒ ነቐጸ፡ ኦም በለስ ከአ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየ ቱፋሕን ኩሉ ኣእዋም መሮርን ነቐጸ፡ እወ፡ ሓጎስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ።
13. መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኹም ተኸልኪሊ እዩ ኣሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዐጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ።
14. ጾም ቀድጹ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም አክቡ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከአ ተማህለሉ።
15. መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ካብቲ ኹሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ኾይና ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ኣየ እዛ መዓልቲ እዚኣ።
16. መግቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፡ ሓጎስን ደስታን ከአ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኮነን፡
17. እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኩሉ መሽመሸ፡ እኽሊ ህጉጉ እዩ እሞ፡ ቁፋፋ ባዶ ኾነ፡ መዓኸንውን ፈረሰ።
18. ኣየ፡ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እትነ መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣሓ ዚጓስያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ አለዋ።
19. ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፡ ንኹሉ ኣእዋም መሮር ከአ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ።
20. ወሓዚ ማያት ነጺፉ፡ ነቲ መጓሰዩ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለው።

      Joel (1/3)