Joel (1/3) → |
1. | ንዮኤል ወዲ ጱቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ |
2. | ኣቱም ኣረገውቲ፡ እዚ ስምዑ፡ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ኹላኩምውን ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ኾይኑ እዩ፡ |
3. | እዚ ንደቅኹም ኣዘንትውሎም፡ ደቅኹም ከአ ንደቆም፡ ደቆምውን ነቲ ድሕራይ ወለዶ የዘንትውሉ። |
4. | ካብ ኩብኩብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፡ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸአ ጎደቦ በልዖ፡ ካብ ጎደቦ ዝተረፈ ድማ ሐሰኻ በልዖ። |
5. | ኣቱም ሰኸርቲ፡ ንቕሑን ብኸዩን፡ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ኹላትኩም፡ እቲ ኹልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ። |
6. | ቁጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸአ አለዎ። |
7. | ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፡ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፡ ብጥራስ ቀንጠጦ፡ ደርበዮ፡ ጨናፍሩውን ጻዕደወ። |
8. | ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ። |
9. | መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፊኡ፡ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ አለው። |
10. | እኽሊ በሪሱ፡ ኮልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሐዝን አላ። |
11. | እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ። |
12. | ተኽሊ ወይኒ ነቐጸ፡ ኦም በለስ ከአ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየ ቱፋሕን ኩሉ ኣእዋም መሮርን ነቐጸ፡ እወ፡ ሓጎስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ። |
13. | መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኹም ተኸልኪሊ እዩ ኣሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዐጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ። |
14. | ጾም ቀድጹ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም አክቡ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከአ ተማህለሉ። |
15. | መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ካብቲ ኹሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ኾይና ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ኣየ እዛ መዓልቲ እዚኣ። |
16. | መግቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፡ ሓጎስን ደስታን ከአ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኮነን፡ |
17. | እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኩሉ መሽመሸ፡ እኽሊ ህጉጉ እዩ እሞ፡ ቁፋፋ ባዶ ኾነ፡ መዓኸንውን ፈረሰ። |
18. | ኣየ፡ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እትነ መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣሓ ዚጓስያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ አለዋ። |
19. | ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፡ ንኹሉ ኣእዋም መሮር ከአ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ። |
20. | ወሓዚ ማያት ነጺፉ፡ ነቲ መጓሰዩ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለው። |
Joel (1/3) → |