Job (9/42)  

1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ኤረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ እየ፡ ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ?
3. ምስኡ ኺማጐት እንተ ዚደሊ፡ ካብ ሽሕስ ሓንቲ እኳ ኺመልሰሉ ኣይምኸኣለን ነይሩ።
4. ንሱ ብምስትውዓል ጠቢብ፡ ብሓይሊውን ብርቱዕ እዩ፡ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
5. ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞም፡ ንቚጥዓኡውን ይገማጥሎም።
6. ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፡ ኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ፡
7. ንሱ ንጸሓይ ይእዝዛ እሞ ኣይትበርቕን። ንኸዋኽብቲውን ይሐትሞም።
8. ንሱ ንሰማያት ይዝርግሖ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይኸይድ።
9. ንድቢ፡ ንኦርዮን፡ ንኰዀብ ሾብዓተ፡ ንናይ ደቡብ ማሕደር ዝፈጠሮም ንሱ እዩ።
10. ንሱ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገር፡ ቊጽሪ ዜብሉ ተኣምራትውን ይገብር።
11. እንሆ፡ ኣብ ጥቓይ ይሐልፍ እሞ፡ ኣነ ኣይርእዮን፡ መሊሱውን ይሐልፍ እሞ፡ ኣይፍለጠንን እዩ።
12. እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፡ መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ኪብሎ ይኽእ።?
13. ኣምላኽ ንቚጥዓኡ ኣይገትኦን፡ ኣብ ትሕቲኡስ እቶም ረዳእቲ ረሃብ እኳ ይትሐቱ፡
14. ኣነ ደኣ ግዳ ኸመይ ገይረ ኽመልሰሉ? ንእኡ ዝዛረቦ ቓልከ ኸመይ ገይረ ኽመርጽ?
15. ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን።
16. ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን።
17. ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን።
18. ንሱ ኸስተንፍስ ኣይሐድገንን፡ ምረት ደኣ የጽግበኒ ኣሎ።
19. ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ፡ እኔኹ፡ ይብል፡ ብፍርዲ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ መን እዩ ቘጸራ ዚህበኒ?
20. ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ኣፈይ፡ በደለኛ ኢኻ፡ ኢሉ ምፈረደኒ፡ ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።
21. ኣነስ ፍጹም እየ፡ ንነፍሰይ እኳ ግዳ የብለይን፡ ንህይወተይውን እንዕቃ እየ።
22. ኲላዂሉ ሓደ እዩ፡ ስለዚ፡ ነቲ ፍጹምን ንረሲእን ብሓደ የጥፍኦም፡ እብል ኣሎኹ።
23. ብድንገት ዚቐትል መዓት እንተ ወረደ፡ ንሱ ብፈተና እቶም ንጹሃት የላግጽ።
24. ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ፡ ንገጽ መኳንንታ ይሽፍኖ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ?
25. መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይቕልጥፋ፡ ጽቡቕ ነገር ከይረኣያ ይሀድማ ኣለዋ።
26. ኤረ ኸም ጃልባ ወምብቆ፡ ኪምንጥል ከም ዚሸብብ ንስሪ ይሐልፋ።
27.  ኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዔ፡ ገጸይ ኣበሄስ፡ ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ፡
28. ብስቓየይ እስክሕ፡ ከም ዘይተማጻርየኒ ፈሊጠ ኣሎኹ።
29.  ኣነስ ከም በደለኛ ክዅነን እየ፡ ስለምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝጽዕር?
30. ብማይ በረድ እንተ ዝሕጸብ፡ ኣእዳወይውን ኣጸቢቐ እንተ ዘጽሪ፡
31. ንስኻ ኣብ ዓዘቕቲ ምኣለኽካኒ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈናኒ።
32.  ከይመልሰሉ፡ ሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ ከማይ ሰብ ኣይኰነን፡
33. ኣብ ክልቴና ኢዱ ዚዝርግሕ እሞ፡ ኣብ መንጎና ዳኛ ዚኸውን የልቦን።
34.  በትሩ ግዳ ኻባይ የግልሰለይ፡ ፍርሃቱውን ኣየናውጻኑ፡
35.  ሽዑ ምተዛረብኩ ኣይምፈራህክዎን ከኣ፡ ኣነ ግና ከምኡ ኣይኰንኩን።

  Job (9/42)