Job (8/42)  

1. ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ክሳዕ መኣዝ ከምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፡ ነቲ ዘረባ ኣፍካስ ከም ብርቱዕ ንፋስ ክትገብሮ ኢኻ?
3. ኣምላኽዶ ፍትሒ ይጠዊ እዩ? እቲ ዂሉ ዚኽእልከ ንጽድቂዶ ይጠውዮ እዩ?
4. ደቅኻ በዲሎምዎ እንተ ዀይኖም፡ ንሱውን ናብ ኢድ ኣበሳኦም ኣሕሊፉ እንተ ሂብዎም፡
5. ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ምሕረት እንተ ለሚንካዮ፡
6. ንጹህን ጻድቕን እንተ ዄንካ፡ ብርግጽ ንሱ ንረዲኤትካ ኺትንስእ፡ ነታ ማሕደር ጽድቅኻውን ኬልምዓ እዩ።
7. መጀመርታኻ ንእሽቶ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኻ ግና እምብዛ ኺበልጽ እዩ።
8. ነቶም ቀደም ዝሐለፉ ወለዶ ዀታ ጠይቆም እሞ፡ ነቲ ኣቦታቶም እተረድእዎ ኸኣ ኣሰተብህሎ።
9. ንሕና ገለ ዝይንፈልጥ ናይ ትማሊ ኢና እሞ፡ ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ኸም ጽላሎት እየን።
10. ግናኸ ንሳቶም ኣይኪምህሩኻን ኣይኪነግሩኻንዶ እዮም? ካብ ውሽጢ ልቦም ቃላትዶ ኣይኬውጽኡን እዮም?
11. ተኺላ ኣብ ዜብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይነውሕ? ማይ ኣብ ዜብሉስ ሰቲዶ ይበቊል እዩ?
12. ንሱ ብለምለሙ ኸሎን ከይተመንቈሰን፡ ቅድሚ ዂሉ ሳዕሪ ይነቅጽ።
13. መገዲ እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዂሎም ከኣ ከምኡ እዩ፡ ተስፋ እቲ ረሲእ ከንቱ ኪኸውን እዩ።
14. ተስፋኡ ኪቚረጽ እዩ እሞ፡ እሙንቶኡ ኸም ዓለባ ሳሬት እዩ።
15. ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፡ ግናኸ ኣይትጸንዕን፡ ቀጥ ኣቢሉ ይሕዛ፡ ግናኸ ኣይትቐውምን።
16. ንሱ ብጸሓይ ይልምልም፡ ጨናፍሩ ናብ ልዕሊ ኣታኽልቱ ይወጽእ።
17. ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሱሩ ይሰደድ፡ ንቤት ኣእማን ይምልከቶ ኣሎ።
18. ካብታ ቦታኡ እንተ መንቈሶ፡ ንሳውን፡ ኣነስ ከቶ ኣይርኤኹኻን፡ ኢላ ትኽሕዶ።
19. እንሆ፡ ታሕጓስ መገዱ ኸምዚ እዩ። ካብታ ሓመድ ድማ ካልኦት ኪበቚሉ እዮም።
20. እንሆ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍጹም ሰብ ኣይድርብዮን፡ ነቶም ገበርቲ እከይ ከኣ ብኢዱ ኣይሕዞምን እዩ።
21. ንኣፍካ ስሓቕ፡ ንኸናፍርካውን እልልታ ኺመልኦ እዩ።
22. እቶም ዚጸልኡኻ ነውሪ ኺጒልበቡ እዮም፡ ድንኳን እቶም ረሲኣን ከኣ ኪጠፍእ እዩ።

  Job (8/42)