Job (7/42)  

1. ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን? መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት ብዓል ውዐልት ኣይኰናን?
2. ከምቲ ጽላል ዚናፍቕ ባርያ፡ ከምቲ ውዕለቱ ዚጽበ ብዓል ውዕለት፡
3. ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዐዲለ፡ ለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ።
4. ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ? እብል። ለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ምግልባጠይ እጸግብ ኣሎኹ።
5. ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑ፡ ቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ።
6. መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ፡ ብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ።
7. ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክር፡ ኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን።
8. እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን።
9. ደበና ሐሊፉ ኸም ዚብተን፡ ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዚወርድ መሊሱ ኣይወጽእን።
10. ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስን፡ ቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን።
11. ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞን፡ ብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብ፡ ብምረት ነፍሰይ ክቚዝም እየ።
12. ሓላዊ ዝገበርካለይከ? ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ?
13. መንጸፈይ ኬጸናንዓኒ፡ ምድቃሰይ ሓዘነይ ኬቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ፡
14. ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒ፡ ብራእይውን ተባህርረኒ፡
15. ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡ ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሐሪ።
16. ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልን፡ መዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ።
17. ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ?
18. ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ?
19. ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሐድገኒ?
20. ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብ፡ በዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ? ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡ ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ?
21. ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይ፡ በደለይ ከኣ ዘይትሐድገለይ? ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡ እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ።

  Job (7/42)