| ← Job (7/42) → |
| 1. | ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን? መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት ብዓል ውዐልት ኣይኰናን? |
| 2. | ከምቲ ጽላል ዚናፍቕ ባርያ፡ ከምቲ ውዕለቱ ዚጽበ ብዓል ውዕለት፡ |
| 3. | ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዐዲለ፡ ለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ። |
| 4. | ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ? እብል። ለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ምግልባጠይ እጸግብ ኣሎኹ። |
| 5. | ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑ፡ ቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ። |
| 6. | መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ፡ ብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ። |
| 7. | ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክር፡ ኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን። |
| 8. | እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን። |
| 9. | ደበና ሐሊፉ ኸም ዚብተን፡ ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዚወርድ መሊሱ ኣይወጽእን። |
| 10. | ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስን፡ ቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን። |
| 11. | ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞን፡ ብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብ፡ ብምረት ነፍሰይ ክቚዝም እየ። |
| 12. | ሓላዊ ዝገበርካለይከ? ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ? |
| 13. | መንጸፈይ ኬጸናንዓኒ፡ ምድቃሰይ ሓዘነይ ኬቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ፡ |
| 14. | ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒ፡ ብራእይውን ተባህርረኒ፡ |
| 15. | ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡ ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሐሪ። |
| 16. | ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልን፡ መዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ። |
| 17. | ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ? |
| 18. | ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ? |
| 19. | ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሐድገኒ? |
| 20. | ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብ፡ በዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ? ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡ ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ? |
| 21. | ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይ፡ በደለይ ከኣ ዘይትሐድገለይ? ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡ እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ። |
| ← Job (7/42) → |