Job (6/42)  

1. ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡
3. ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ።
4. ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ።
5. ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ? ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ?
6. ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ?
7. ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ።
8. አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ።
9. ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡
10. ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ።
11. ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ? ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ?
12. ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ?
13. ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን?
14. እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።
15. ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
16. ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
17. ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ።
18. ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ።
19. ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ።
20. ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም።
21. ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም።
22. ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ?
23. ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ?
24. ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ።
25. ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡
26. ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ።
27. ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።
28. እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።
29. ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።
30. ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ? ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ?

  Job (6/42)