| ← Job (6/42) → |
| 1. | ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡ |
| 3. | ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ። |
| 4. | ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ። |
| 5. | ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ? ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ? |
| 6. | ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ? |
| 7. | ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ። |
| 8. | አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ። |
| 9. | ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡ |
| 10. | ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ። |
| 11. | ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ? ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ? |
| 12. | ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ? |
| 13. | ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን? |
| 14. | እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ። |
| 15. | ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ። |
| 16. | ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ። |
| 17. | ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ። |
| 18. | ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ። |
| 19. | ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ። |
| 20. | ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም። |
| 21. | ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም። |
| 22. | ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ? |
| 23. | ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ? |
| 24. | ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ። |
| 25. | ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡ |
| 26. | ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ። |
| 27. | ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም። |
| 28. | እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ። |
| 29. | ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ። |
| 30. | ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ? ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ? |
| ← Job (6/42) → |