Job (5/42)  

1. ምላሽ ዚህበካ እንተ ረኺብካስ፡ እስኪ ጸውዕ፡ ካብ ቅዱሳንከ ናብ መኖም ክትብል ኢኻ?
2. ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎ፡ ንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ።
3. ኣነ ንደንቈሮስ ሱር ሰዲዱ ርኤኽዎ፡ ብኣብኣ ኸኣ ንቤቱ ረገምክዋ።
4. ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ ኣብ ደገ ይርገጹ፡ ዜናግፎም ከኣ የልቦን።
5. ነቲ እቶቱ ዝጠመየ ይበልዖ፡ ካብ እሾዂ እኳ የውጽኦ፡ ንጥሪቱ መድፈና ሃህ ኢሉ ይጽበዮ።
6. መከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡ መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቊልን።
7. ግናኸ፡ ከምቲ ቚልዒ ንላዕሊ ኣቢሉ ዝነጥር፡ ሰብ ንመከራ እዩ ዚውለድ።
8. ኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹ፡ ነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ፡
9. ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡ ኪቚጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዚገብር ዘሎ፡
10. ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜዝንም ንግራሁውን ማያት ዚሰድድ፡
11. ንሕሱራት ልዕል ዜብሎም፡ ንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዜልዕሎም፡
12. ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡ ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ።
13. ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞም፡ ንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ።
14. ብመዓልቲ ንኣታቶ ጸልማት ይጓነፎም፡ ብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።
15. ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ።
16. ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ ኣለዎ፡ ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዐጹ።
17. እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡ ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ።
18. ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ።
19. ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኼናግፈካ፡ ኤረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይኪትንክየካን እዩ።
20. ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡ ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ።
21. ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወል፡ ድባበ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ።
22. ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆ፡ ንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ።
23. ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ኪዀኑ እዮም።
24. ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዚስአን የልቦን።
25. ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡ ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ።
26. ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ።
27. እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ።

  Job (5/42)