Job (40/42)  

1. እግዚኣብሄር ንእዮብ መለሰሉ በሎውን፡
2. እቲ ወቓሲ ምስቲ ዂሉ ዚኽእልዶ ኺማጐት እዩ? እቲ ንኣምላኽ ዚግስጾ ሕጂ ይምለስ።
3. ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡
4. እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ? ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ።
5. ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡ ኤረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ።
6. ድማ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረቦ በሎውን፡
7. ሰብኣይ ኩን፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምሀረኒ።
8. ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ፡ ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ፡ ንኣይከ ኽትኲንነኒዶ ትደሊ ኣሎኻ?
9. ከም ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ? ከምቲ ድምጹ ጌርካ ኽተንጐድጒድዶ ይከኣለካ እዩ?
10. እምበኣርስከ ኽብረትን ልዕልናን ተሰለም፡ ክብርን ግርማን ከኣ ልበስ።
11. ንውሒዝ ቊጥዓኻ ኣፍሲስካ፡ ንዕቡይ ዘበለ ዂሉ ጠሚትካ ኣዋርዶ።
12. ንዕቡይ ዘበለስ ጠሚትካ ትሕት ኣብሎ፡ ንረሲኣንውን ኣብ ቦታቶም ርገጾም፡
13. ንዂላዂሎም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፡ ኤረ ንገጾም ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዕጸዎ፡
14. ሽዑ ኣነ ድማ፡ የማነይትኻ ተድሕነካ እያ፡ ኢለ ኽንእደካ እየ።
15. ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡
16. እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ።
17. ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡
18. ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቶ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ።
19. ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ።
20. ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ።
21. ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡
22. ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ።
23. ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ።
24. እናረኣየዶ ይተሐዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ?

  Job (40/42)