| ← Job (40/42) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ንእዮብ መለሰሉ በሎውን፡ |
| 2. | እቲ ወቓሲ ምስቲ ዂሉ ዚኽእልዶ ኺማጐት እዩ? እቲ ንኣምላኽ ዚግስጾ ሕጂ ይምለስ። |
| 3. | ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ |
| 4. | እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ? ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ። |
| 5. | ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡ ኤረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ። |
| 6. | ድማ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረቦ በሎውን፡ |
| 7. | ሰብኣይ ኩን፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምሀረኒ። |
| 8. | ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ፡ ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ፡ ንኣይከ ኽትኲንነኒዶ ትደሊ ኣሎኻ? |
| 9. | ከም ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ? ከምቲ ድምጹ ጌርካ ኽተንጐድጒድዶ ይከኣለካ እዩ? |
| 10. | እምበኣርስከ ኽብረትን ልዕልናን ተሰለም፡ ክብርን ግርማን ከኣ ልበስ። |
| 11. | ንውሒዝ ቊጥዓኻ ኣፍሲስካ፡ ንዕቡይ ዘበለ ዂሉ ጠሚትካ ኣዋርዶ። |
| 12. | ንዕቡይ ዘበለስ ጠሚትካ ትሕት ኣብሎ፡ ንረሲኣንውን ኣብ ቦታቶም ርገጾም፡ |
| 13. | ንዂላዂሎም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፡ ኤረ ንገጾም ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዕጸዎ፡ |
| 14. | ሽዑ ኣነ ድማ፡ የማነይትኻ ተድሕነካ እያ፡ ኢለ ኽንእደካ እየ። |
| 15. | ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡ |
| 16. | እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ። |
| 17. | ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡ |
| 18. | ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቶ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ። |
| 19. | ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ። |
| 20. | ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። |
| 21. | ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ |
| 22. | ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ። |
| 23. | ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ። |
| 24. | እናረኣየዶ ይተሐዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ? |
| ← Job (40/42) → |