Job (4/42)  

1. ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ክንዛረበካ እንተ ንፍትንሲ፡ ምጒሄኻዶ? ዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን ኣሎ?
3. እንሆ፡ ንብዙሓት መዐድካዮም፡ ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ኣበርታዕካየን።
4. ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖም፡ ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን።
5. ሕጂ ናባኻ እንተ በጽሔ ግና፡ ምጽዋሩ ስኢንካ፡ ናባኻ እንተ ወረደ፡ ተሸቢርካ እኔኻ።
6. እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እሙንቶኻ፡ እቲ መገድኻ ፍጹም ምዃኑ ኸኣ ተስፋኻዶ ኣይኰነን?
7. እስኪ ተመልከት፡ ንጹህ ከም ዝጠፍኤ፡ ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ?
8. ኣነስ ከምዚ ደኣ ርኤኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱ፡ መከራ ኸኣ ዚዘርኡ፡ ንእኡ ይዐጽድዎ።
9. ንሳቶም ብእስትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፡ ብመንፈስ ቊጥዓኡ ይበኑ።
10. ምጒዛም ኣንበሳ፡ ድምጺ እቲ ጓዛሚ፡ ኣስናን ሽደን ኣንበሳውን ይስበር።
11. እቲ ኣረጊት ኣንበሳ ዚነጥቕ ስኢኑ እዩ እሞ ይመውት፡ ኰራኲር ኣንበሳ ኸኣ ፋሕ ይብሉ።
12. ንኣይ ግና ቓል ብሕቡእ መጸኒ፡ እዝነይ ከኣ ንሕሽዂሽዂ ተቐበሎ፡
13. በቲ ናይ ለይቲ ራእይ ሓሳባት ንሰባት ብርቱዕ ድቃስ ምስ ወደቖም፡
14. ፍርሃትን ረዓድን ሐዘኒ እሞ፡ ንብዘሎ ኣዕጽምተይ ኣናወጾ።
15. ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈ፡ ጸጒሪ ስጋይ ተኸየፈ።
16. ንሱ ቘመ፡ መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡ ረቂቕ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡ ስቕታ ነበረአ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ፡
17. መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ይጸድቕ እዩ፡ ሰብዶ ኻብ ፈጣሪኡ ይነጽህ እዩ?
18. እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን ንመላእኽቱውን ጒድለት ይረኽበሎም።
19. እምበኣርሲ እቶም መሬት ዝቤቶም፡ ሓመድ ዝመሰረቶም፡ ከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም።
20. ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቚረጹ፡ ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዚሐስቦውን የልቦን።
21. እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፡ ብዘይ ጥበብ ይሞቱ።

  Job (4/42)