Job (39/42)  

1. ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ? ነቲ እራብ ቅልውላው እትተሐዘሉ ጊዜኸ ተመልኪትካዮዶ ኣሎኻ?
2. ነቲ ምብጻሕ ኣዋርሔንዶ ትቘጽሮ? ነቲ ንሳተን ዚወልዳሉ ጊዜስ ትፈልጦዶ?
3. ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፡ ካብቲ ጻዕረን ከኣ ይዐርፋ።
4. መሓስኤን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ይዐብያ፡ ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን፡
5. ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ? ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ?
6. ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ? ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ?
7. ነቲ ናይ ከተማ ጫውጫው የባዕጭወሉ፡ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።
8. ነቲ ዚበልዓሉ ጎቦታት ይምልከቶ፡ ለምለም ዘለዎ ዂሉ ኸኣ ይደሊ።
9. ጐባይከ ኺግዝኣካዶ ፍቓዱ እዩ? ኣብ ደምቤኻስ ይሐድረልካዶ?
10. ምእንቲ ኺትልመልካዶ ንጐባይ ብገመድ ትኣስሮ ኢኻ? ደድሕሬኻኸ ንለሴታትዶ ይጒልጒል እዩ?
11. ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝዀነዶ ኽትእመኖ፡ ወይስ ንዕዮኻዶ ኽትገድፈሉ ኢኻ?
12. እኽልኻ ኪኸተልካ፡ ኣብ ዓውዲውን ኪእክቦ ትኣምኖዶ ኢኻ?
13. ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፡ ግናኸ ኣኽናፋን ክንቲታን ርሕሩሕዶ እዩ?
14. ንእንቋቚሖኣ ኣብ ምድሪ ተውድቖ፡ ኣብ ልዕሊ ሑጻውን ተሙቖ።
15. እግሪ ኸይጭፍልቐለይ፡ ኣራዊትውን ከይረግጸለይ፡ ኢላ ኣይትዝክርን እያ።
16. ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡ ምስትውዓልውን ኣይዐደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡ ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን።
17. ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡ ምስትውዓልውን ኣይዐደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡ ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን።
18. ብድድ ኢላ ምስ ሸበበት፡ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቆም።
19. ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ?
20. ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ።
21. ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ።
22. ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ።
23. ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።
24. እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።
25. መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።
26. ሊላ ንላዕሊ ዚነፍር፡ ኣኽናፋውን ንደቡብ ኣቢሉ ዚዝርግሕከ ብጥበብካ ድዩ?
27. ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ፡ ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ?
28. ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር።
29. ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱ፡ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።
30. ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።

  Job (39/42)