| ← Job (38/42) → | 
| 1. | ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ | 
| 2. | ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ? | 
| 3. | ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ። | 
| 4. | ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ? ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ። | 
| 5. | ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ? - ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ - ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ? | 
| 6. | ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን? | 
| 7. | ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን? | 
| 8. | ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ? | 
| 9. | ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡ | 
| 10. | ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡ | 
| 11. | ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ። | 
| 12. | ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ? | 
| 13. | ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ? | 
| 14. | ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡ | 
| 15. | ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር። | 
| 16. | ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ? ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ? | 
| 17. | ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ? ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ? | 
| 18. | ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ? እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ። | 
| 19. | ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ? | 
| 20. | ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ? | 
| 21. | ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። | 
| 22. | ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ? | 
| 23. | ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ? | 
| 24. | ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ? | 
| 25. | ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? | 
| 26. | ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? | 
| 27. | ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ? | 
| 28. | ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ? | 
| 29. | በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ? | 
| 30. | ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ። | 
| 31. | ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ? | 
| 32. | ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ? | 
| 33. | ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ? | 
| 34. | ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ? | 
| 35. | እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስ፡ ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ? | 
| 36. | ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ? ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ? | 
| 37. | ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ? | 
| 38. | ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ? | 
| 39. | ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ? | 
| 40. | ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ? | 
| 41. | ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡ ዚምግቦኸ መን እዩ? | 
| ← Job (38/42) → |