Job (38/42)  

1. ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡
2. ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ?
3. ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ።
4. ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ? ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ።
5. ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ? - ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ - ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ?
6. ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን?
7. ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን?
8. ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ?
9. ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡
10. ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡
11. ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ።
12. ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ?
13. ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ?
14. ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡
15. ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር።
16. ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ? ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
17. ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ? ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ?
18. ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ? እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ።
19. ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ?
20. ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ?
21. ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።
22. ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ?
23. ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ?
24. ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ?
25. ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ?
26. ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ?
27. ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ?
28. ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ?
29. በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ?
30. ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።
31. ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ?
32. ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ?
33. ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ?
34. ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ?
35. እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስ፡ ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ?
36. ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ? ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ?
37. ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ?
38. ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ?
39. ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ?
40. ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ?
41. ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡ ዚምግቦኸ መን እዩ?

  Job (38/42)