| ← Job (37/42) → |
| 1. | እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡ ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ ኣሎ። |
| 2. | ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ደሃይ ስምዕዎ። |
| 3. | ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ይሰዶ። |
| 4. | ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡ በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡ ድምጺ ምስ ዚስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን። |
| 5. | ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጒድ፡ ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር። |
| 6. | ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ። |
| 7. | ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሐትሞ። |
| 8. | ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡ ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ። |
| 9. | ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፡ ዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ። |
| 10. | ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፡ ምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ። |
| 11. | ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡ ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም። |
| 12. | እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዚእዝዞም ዘበለ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኺገብሩስ፡ ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው። |
| 13. | ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ ወይ ንምሕረት የውርዶም። |
| 14. | እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ። |
| 15. | ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዜቃንዖም፡ ንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጦ ዲኻ? |
| 16. | ነቲ ምድልዳል ደበና፡ ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዜደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ? |
| 17. | ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ? |
| 18. | ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ? |
| 19. | ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና። |
| 20. | ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪነግርዎ ድዮም? ኪውሐጥ ዚደሊ ሰብዶኸ ኣሎ? |
| 21. | ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዚበርህ ብርሃን ኣይርኤን እዩ፡ ግናኸ ንፋስ ሐሊፉ የጽርዮ። |
| 22. | ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዚመጽእ፡ ኣምላኽ ብዜፍርህ ግርማ ተኸቢቡ ኣሎ። |
| 23. | ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡ ንሓደ እኳ ኣይጭቊንን። |
| 24. | ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ፡ ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ። |
| ← Job (37/42) → |