Job (37/42)  

1. እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡ ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ ኣሎ።
2. ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ደሃይ ስምዕዎ።
3. ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ይሰዶ።
4. ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡ በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡ ድምጺ ምስ ዚስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን።
5. ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጒድ፡ ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር።
6. ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ።
7. ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሐትሞ።
8. ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡ ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ።
9. ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፡ ዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ።
10. ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፡ ምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ።
11. ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡ ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም።
12. እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዚእዝዞም ዘበለ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኺገብሩስ፡ ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው።
13. ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ ወይ ንምሕረት የውርዶም።
14. እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።
15. ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዜቃንዖም፡ ንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጦ ዲኻ?
16. ነቲ ምድልዳል ደበና፡ ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዜደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ?
17. ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ?
18. ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ?
19. ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና።
20. ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪነግርዎ ድዮም? ኪውሐጥ ዚደሊ ሰብዶኸ ኣሎ?
21. ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዚበርህ ብርሃን ኣይርኤን እዩ፡ ግናኸ ንፋስ ሐሊፉ የጽርዮ።
22. ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዚመጽእ፡ ኣምላኽ ብዜፍርህ ግርማ ተኸቢቡ ኣሎ።
23. ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡ ንሓደ እኳ ኣይጭቊንን።
24. ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ፡ ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ።

  Job (37/42)