Job (36/42)  

1. ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡
2. ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ ኣሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ።
3. ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ።
4. ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ።
5. እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ።
6. ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡ ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም።
7. ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡ ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ።
8. ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡ በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡
9. ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም።
10. እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም።
11. እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡ መዓልትታቶም ብሰናይ፡ ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ።
12. እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡ ብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም።
13. እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን።
14. ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡ ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ።
15. ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡ ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16. ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካ፡ ስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ።
17. ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18. ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡ ካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ።
19. ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ?
20. ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ።
21. ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።
22. እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ?
23. መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ? መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ኪብሎ ይኽእል?
24. ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር።
25. ኲሎም ይጥምትዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ።
26. እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።
27. ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም።
28. ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ።
29. ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ?
30. እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።
31. በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ።
32. ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ።
33. ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡ እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ።

  Job (36/42)