| ← Job (36/42) → |
| 1. | ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡ |
| 2. | ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ ኣሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ። |
| 3. | ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ። |
| 4. | ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ። |
| 5. | እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ። |
| 6. | ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡ ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም። |
| 7. | ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡ ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ። |
| 8. | ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡ በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡ |
| 9. | ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም። |
| 10. | እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም። |
| 11. | እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡ መዓልትታቶም ብሰናይ፡ ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ። |
| 12. | እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡ ብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም። |
| 13. | እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን። |
| 14. | ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡ ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ። |
| 15. | ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡ ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ። |
| 16. | ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካ፡ ስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ። |
| 17. | ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ። |
| 18. | ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡ ካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ። |
| 19. | ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ? |
| 20. | ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ። |
| 21. | ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ። |
| 22. | እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ? |
| 23. | መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ? መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ኪብሎ ይኽእል? |
| 24. | ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር። |
| 25. | ኲሎም ይጥምትዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ። |
| 26. | እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን። |
| 27. | ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም። |
| 28. | ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ። |
| 29. | ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ? |
| 30. | እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ። |
| 31. | በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ። |
| 32. | ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ። |
| 33. | ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡ እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ። |
| ← Job (36/42) → |