| ← Job (35/42) → | 
| 1. | ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ | 
| 2. | ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ ቅኑዕዶ ይመስለካ? | 
| 3. | እንታይ ይጠቕመኒ? እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ? ትብል ኣሎኻ እሞ፡ | 
| 4. | ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡ ኤረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡ | 
| 5. | እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርኤ እሞ፡ ነቲ ኻባኻ ልዕል ደበና ተመልከቶ። | 
| 6. | እንተ በደልካስ፡ እንታይ ትገብሮ፡ ኣበሳኻ እንተ በዝሔኸ፡ እንታይ ትጐድኦ ኢኻ? | 
| 7. | ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ? ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዚቕበሎ? | 
| 8. | ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦ፡ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን። | 
| 9. | ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ይግዕሩ፡ብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ። | 
| 10. | ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዚብል የልቦን። | 
| 11. | ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዚብል የልቦን። | 
| 12. | ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡ ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሀቦምን። | 
| 13. | ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰማዖን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን። | 
| 14. | ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካ፡ ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ። | 
| 15. | ሕጂኸ ብቚጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዔ፡ ንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ ኣሎ? | 
| 16. | እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ። | 
| ← Job (35/42) → |