| ← Job (34/42) → | 
| 1. | ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ | 
| 2. | ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡ ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ። | 
| 3. | ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮ፡ እዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ። | 
| 4. | ቅኑዕ ንምረጽ፡ ንሰናይ ሐቢርና ነስተብህሎ። | 
| 5. | እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ። | 
| 6. | እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ። | 
| 7. | እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? | 
| 8. | እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? | 
| 9. | እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ? | 
| 10. | ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒ፡ ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ይርሐቕ። | 
| 11. | ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ። | 
| 12. | ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን። | 
| 13. | ንምድሪ ሓደራ ዝሀቦ መን እዩ? ንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ? | 
| 14. | ንሱ ንሰብ እንተ ዚሐስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡ | 
| 15. | ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍኤ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ። | 
| 16. | ምስትውዓል እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡ ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ። | 
| 17. | እቲ ንቕንዕና ዚጸልእዶ ኺገዝእ እዩ? ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ? | 
| 18. | ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡ ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣን፡ ይብሎም እዩ? | 
| 19. | ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን፡ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን። | 
| 20. | ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሐልፉን፡ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ። | 
| 21. | ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ። | 
| 22. | እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን። | 
| 23. | ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ ተጠንቂቑ ኺጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡ | 
| 24. | ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም። | 
| 25. | ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡ ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ። | 
| 26. | ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። | 
| 27. | ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። | 
| 28. | ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም። | 
| 29. | ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ? | 
| 30. | ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ? | 
| 31. | ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ? | 
| 32. | ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ? | 
| 33. | ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኺህብ እዩ? ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡ ኤረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ። | 
| 34. | ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም። | 
| 35. | ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም። | 
| 36. | እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን። | 
| 37. | እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን። | 
| ← Job (34/42) → |