Job (34/42)  

1. ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2. ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡ ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ።
3. ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮ፡ እዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ።
4. ቅኑዕ ንምረጽ፡ ንሰናይ ሐቢርና ነስተብህሎ።
5. እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ።
6. እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ።
7. እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ?
8. እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ?
9. እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ?
10. ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒ፡ ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ይርሐቕ።
11. ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።
12. ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን።
13. ንምድሪ ሓደራ ዝሀቦ መን እዩ? ንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ?
14. ንሱ ንሰብ እንተ ዚሐስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡
15. ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍኤ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።
16. ምስትውዓል እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡ ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ።
17. እቲ ንቕንዕና ዚጸልእዶ ኺገዝእ እዩ? ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ?
18. ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡ ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣን፡ ይብሎም እዩ?
19. ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን፡ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።
20. ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሐልፉን፡ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።
21. ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ።
22. እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን።
23. ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ ተጠንቂቑ ኺጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡
24. ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።
25. ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡ ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ።
26. ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም።
27. ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም።
28. ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም።
29. ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ?
30. ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ?
31. ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ?
32. ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ?
33.  ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኺህብ እዩ? ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡ ኤረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ።
34. ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም።
35. ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም።
36. እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።
37. እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።

  Job (34/42)