Job (33/42)  

1. ዎ እዮብ፡ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ፡ ንዂሉ ቓለይ ከኣ ጽን በሎ።
2. እንሆ፡ ኣፈይ እኸፍት ኣሎኹ፡ መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ።
3. ዘረባይሲ ቕንዕና ልበይ እይ፡ ከናፍረይ ከኣ ነቲ ዚፈልጣኦ ብቕንዕና ኺነግራ እየን።
4. መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡ እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእል እዩ ህይወት ዝሀበኒ።
5. እንተ ኽኢልካስ ምለሰለይ፡ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።
6. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ፡ ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ።
7. እንሆ፡ ንኣይ ፈሪህካ ኣይክትሽበርን፡ ኢደይውን ኣይክትከብደካን እያ።
8. ብሓቂ ኣብ ኣእዛነይ ተዛረብካ፡ ድምጺ ቓላትካ ሰሚዔ፡
9. ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡ ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን።
10. እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡ ከም ጸላኢ ይርእየኒ ኣሎ፡
11. ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡ ንዂለን መገደይ ይቋመተን ኣሎ።
12. እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ ኣሎኹ።
13. ብነገሩ ምላሽ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ምስኡ እትካራኸር?
14. ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዘረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ።
15. ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይ፡ ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ፡
16. ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ።
17. ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ።
18. ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሰ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሐትሞ።
19. ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቓያት፡ ኣብ ዓጽሙ ዂሉ ጊዜ ብቓንዛ ይቕጻዕ፡
20. ሽዑ ህይወቱ ንእንጌራ፡ ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።
21. ዘይርኤ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይማስን። እቲ ቕድም ዘይተራእየ ኣዕጽምቱ ይቕላዕ።
22. ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብር፡ ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።
23. ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡
24. ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ።
25. ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ።
26. ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኺህቦ እዩ፡ ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡ ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ።
27. ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡ ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡ ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡ ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።
28. ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡ ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡ ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡ ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።
29. እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳ፡ ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ።
30. እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳ፡ ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ።
31. ኣታ እዮብ፡ ኣስተብሂልካማ ስማዓኒ፡ ክዛረብሲ ስቕ በል።
32. እትብሎ እንተ ኣልዩካ ምለሰለይ፡ ከጽድቐካ እደሊ ኣሎኹ እሞ፡ ተዛረብ።
33. እንተ ክምህረካስ፡ ጽን በል። ጥበብ ክምህረካስ፡ ስቕ በል።

  Job (33/42)