Job (32/42)  

1. እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሐደጉ።
2. ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ ኻብ ዓሌት ራም፡ ብዂራ ተናደደ፡ ንእዮብ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡ ኣበርቲዑ ዀረየሉ።
3. ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውን፡ ንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎ፡ ኰረየሎም።
4. ብዕድመ ይዐብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ከይተዛረቦ ጸንሔ።
5. ኤሊሁ ግና፡ ሰለስቲኦም ብኣፎም ዚመልስዎ ስኢኖም ምስ ረኣየ፡ ብዂራ ተናደደ።
6. ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣነ ብዕድመ ንኡስ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፡ ስለዚ ኸኣ ሐፊረስ ክሳዕ ሕጂ ስቕ በልኩ፡ ሓሳበይውን ኣይገለጽኩልኩምን።
7. ኣነ፡ እተን መዓልትታት ይዛረባ፡ ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ፡ ኢለ ሐሰብኩ።
8. ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ።
9. ዓበይቲ ኣይኰኑን ጠቢባን ዝዀኑ፡ ሽማግሌታትውን ኣይኰኑን ንቕኑዕ ዜስተውዕሉ።
10. ስለዚ ድማ ኣነውን ሓሳበይ ክገልጽሲ፡ ስምዑኒ፡ እብል ኣሎኹ።
11. እንሆ፡ እትዛረብዎ ኽሰምዕ ተጸቤኹ፡ ቃላት ክትምርምሩ ኸሎኹምሲ፡ ንቑም ነገርኩም ጽን በልኩ።
12. ኣጸቢቐ ኣቕለብኩልኩም እሞ፡ እንሆ፡ ንእዮብ ዘረድኦ ንዘረባኡ ኸኣ ምላሽ ዝሀበሉ ካባኻትኩም ሓደ እኳ የልቦን።
13. ንስኻትኩም፡ ጥበብ ረኺብና፡ ኣምላኽ እዩ ዚስዕሮ፡ ሰብ ኣይኰነን፡ ኣይትበሉ።
14. ንኣይስ ገለ እኳ ኣይተዛረበንን፡ ብዘረባኹም ከኣ ኣይክመልሰሉን እየ።
15. ሰምቢዶም፡ ድሕርዚ ዘረባ ስኢኖም፡ ምላሽ ኣይሀቡን።
16. ገለ እኳ ኸይመለሱን ከይተዛረቡን፡ ደው ኢሎም እዮም እሞ፡ ኣነ ኽጽበ ድየ?
17. ኣነውን ብታራይ ክመልስ፡ ኣነ ድማ ሓሳበይ ክገልጽ እየ።
18. ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ ኣሎ።
19. እንሆ፡ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።
20. ክዛረብ እሞ ከስተንፍስ፡ ከናፍረይ ከፊተስ ክመልስ እየ።
21. ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።
22. ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።

  Job (32/42)