| ← Job (31/42) → |
| 1. | ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል? |
| 2. | እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡ እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ? |
| 3. | ጥፍኣት ንዓመጽቲ፡ ጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዚመጾም? |
| 4. | ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን? ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ? |
| 5. | ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ ኣሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡ |
| 6. | ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን፡ - |
| 7. | ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡ ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡ |
| 8. | ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡ ፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ። |
| 9. | ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡ |
| 10. | ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። |
| 11. | ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። |
| 12. | ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ። |
| 13. | ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡ ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ፡ |
| 14. | ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ? |
| 15. | እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን? |
| 16. | ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡ |
| 17. | ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡ |
| 18. | - ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዐበየ፡ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ። - |
| 19. | ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡ |
| 20. | ጐኑ ዘይመረቐኒ፡ ጸጒሪ ኣባጊዔይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡ |
| 21. | ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡ |
| 22. | መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡ ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር። |
| 23. | መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን። |
| 24. | ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡ ነቲ ጽሩይ ወርቂ፡ እምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡ |
| 25. | ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡ ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡ |
| 26. | ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡ |
| 27. | ልበይ ብስውር ተጠቢሩስ፡ ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡ |
| 28. | በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ። |
| 29. | ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡ |
| 30. | - ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን። - |
| 31. | ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን? ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡ |
| 32. | - መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን፡ ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ። - |
| 33. | ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡ |
| 34. | ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡ |
| 35. | ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ። |
| 36. | ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎ፡ ዘውደይውን ምገበርክዎ፡ |
| 37. | ቊጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡ ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ። |
| 38. | ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡ |
| 39. | መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡ |
| 40. | ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቊለለይ። ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ። |
| ← Job (31/42) → |