Job (31/42)  

1. ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል?
2. እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡ እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ?
3. ጥፍኣት ንዓመጽቲ፡ ጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዚመጾም?
4. ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን? ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ?
5. ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ ኣሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡
6. ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን፡ -
7. ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡ ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡
8. ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡ ፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ።
9. ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡
10. ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።
11. ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።
12. ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።
13. ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡ ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ፡
14. ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ?
15. እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን?
16. ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡
17. ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡
18. - ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዐበየ፡ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ። -
19. ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡
20. ጐኑ ዘይመረቐኒ፡ ጸጒሪ ኣባጊዔይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡
21. ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡
22. መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡ ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር።
23. መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።
24. ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡ ነቲ ጽሩይ ወርቂ፡ እምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡
25. ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡ ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡
26. ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡
27. ልበይ ብስውር ተጠቢሩስ፡ ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡
28. በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።
29. ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡
30. - ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን። -
31. ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን? ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡
32. - መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን፡ ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ። -
33. ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡
34. ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡
35. ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ።
36. ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎ፡ ዘውደይውን ምገበርክዎ፡
37. ቊጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡ ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ።
38. ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡
39. መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡
40. ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቊለለይ። ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ።

  Job (31/42)