| ← Job (30/42) → |
| 1. | ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒ፡ ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ ዘይመሕበርክዎም፡ ይንዕቁኒ ኣለው። |
| 2. | እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኺበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡ ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ኪጠቕመኒ እዩ? |
| 3. | ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ። |
| 4. | ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡ፡ ሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ። |
| 5. | ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡ ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ። |
| 6. | ኣብ ዜፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ፡ |
| 7. | ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡ ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ። |
| 8. | ውሉድ ደናቚርቲ፡ ስም ዜብሉ ዓሌት፡ ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም። |
| 9. | ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡ መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡ |
| 10. | ርሒቕ ካባይ ሀዲሞም ይፍንፍኑኒ፡ ናብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉ ኣይሐፍሩን እዮም። |
| 11. | ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡ ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ። |
| 12. | እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡ፡ ነእጋረይ ይደፍእወን፡ ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው። |
| 13. | ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስ፡ ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ። |
| 14. | ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዚኣትው ዀይኖም ይመጹኒ፡ ብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው። |
| 15. | ስምባደ ይወርደኒ፡ ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎ፡ ጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሐሊፉ። |
| 16. | ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ ኣላ፡ መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ፡ |
| 17. | ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡ ዚቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዐርፍን እዩ። |
| 18. | ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡ ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ። |
| 19. | ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡ ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ። |
| 20. | ናባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ ኣሎኻ። |
| 21. | ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ ኣሎኻ። |
| 22. | ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡ ብሸምቦባውን ተምክኸኒ ኣሎኻ። |
| 23. | ኤረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዚእከቡሉ ቤት፡ ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ ኣሎኹ። |
| 24. | ግናኸ ዚወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን? ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ? |
| 25. | ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሐዝነሉዶ ኣይነበረትን? |
| 26. | እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸ፡ ብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ። |
| 27. | ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዐርፍን እዩ፡ መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ። |
| 28. | ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር ኣሎኹ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ ኤእዊ። |
| 29. | ንወኻሩ ሓወን፡ ንሰገናትውን መሓዝኤን ኰንኩ። |
| 30. | ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሐሪሩ። |
| 31. | ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘን፡ ዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ። |
| ← Job (30/42) → |