Job (30/42)  

1. ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒ፡ ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ ዘይመሕበርክዎም፡ ይንዕቁኒ ኣለው።
2. እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኺበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡ ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ኪጠቕመኒ እዩ?
3. ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ።
4. ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡ፡ ሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ።
5. ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡ ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ።
6. ኣብ ዜፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ፡
7. ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡ ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ።
8. ውሉድ ደናቚርቲ፡ ስም ዜብሉ ዓሌት፡ ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም።
9. ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡ መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡
10. ርሒቕ ካባይ ሀዲሞም ይፍንፍኑኒ፡ ናብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉ ኣይሐፍሩን እዮም።
11. ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡ ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ።
12. እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡ፡ ነእጋረይ ይደፍእወን፡ ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው።
13. ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስ፡ ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ።
14. ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዚኣትው ዀይኖም ይመጹኒ፡ ብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው።
15. ስምባደ ይወርደኒ፡ ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎ፡ ጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሐሊፉ።
16. ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ ኣላ፡ መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ፡
17. ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡ ዚቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዐርፍን እዩ።
18. ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡ ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ።
19. ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡ ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ።
20. ናባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ ኣሎኻ።
21. ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ ኣሎኻ።
22. ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡ ብሸምቦባውን ተምክኸኒ ኣሎኻ።
23. ኤረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዚእከቡሉ ቤት፡ ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ ኣሎኹ።
24. ግናኸ ዚወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን? ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ?
25. ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሐዝነሉዶ ኣይነበረትን?
26. እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸ፡ ብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ።
27. ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዐርፍን እዩ፡ መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ።
28. ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር ኣሎኹ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ ኤእዊ።
29. ንወኻሩ ሓወን፡ ንሰገናትውን መሓዝኤን ኰንኩ።
30. ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሐሪሩ።
31. ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘን፡ ዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ።

  Job (30/42)