| ← Job (3/42) → |
| 1. | ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ። |
| 2. | እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ |
| 3. | እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ። |
| 4. | እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታ፡ ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ። |
| 5. | ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሐዝዋ፡ ደበና የጐልብባ፡ እቲ ንመዓልቲ ዜጸልምት ከኣ የሸብራ። |
| 6. | ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡ ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሐጐስ፡ ኣብ ቊጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ። |
| 7. | እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡ እልልታውን ኣይእተዋ። |
| 8. | እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ። |
| 9. | ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ። |
| 10. | ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ። |
| 11. | ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፡ ካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ? |
| 12. | ስለምንታይከ ኣብራኽ፡ ኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡ |
| 13. | ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። |
| 14. | ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። |
| 15. | ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። |
| 16. | ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረኣየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ። |
| 17. | ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው። |
| 18. | እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦም፡ ድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው። |
| 19. | ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ። |
| 20. | ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም? |
| 21. | እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ እናዀዐቱ ዚደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡ |
| 22. | እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡ፡ እልል እናበሉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ፡ |
| 23. | ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? |
| 24. | እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእ፡ ምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ። |
| 25. | እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ። |
| 26. | ዕረፍቲ ስኢነ፡ ህድኣትን ዝግታን የብለይን፡ ዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ። |
| ← Job (3/42) → |