Job (3/42)  

1. ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ።
2. እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
3. እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ።
4. እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታ፡ ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ።
5. ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሐዝዋ፡ ደበና የጐልብባ፡ እቲ ንመዓልቲ ዜጸልምት ከኣ የሸብራ።
6. ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡ ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሐጐስ፡ ኣብ ቊጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።
7. እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡ እልልታውን ኣይእተዋ።
8. እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ።
9. ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ።
10. ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ።
11. ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፡ ካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ?
12. ስለምንታይከ ኣብራኽ፡ ኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡
13. ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ።
14. ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ።
15. ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ።
16. ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረኣየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ።
17. ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው።
18. እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦም፡ ድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው።
19. ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ።
20. ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም?
21. እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ እናዀዐቱ ዚደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡
22. እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡ፡ እልል እናበሉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ፡
23. ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ?
24. እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእ፡ ምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።
25. እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ።
26. ዕረፍቲ ስኢነ፡ ህድኣትን ዝግታን የብለይን፡ ዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ።

  Job (3/42)