Job (28/42)  

1. ንብሩርስ መብቈሊ፡ ነቲ ወርቂውን ዚፈሰሉ ቦታ ኣለዎ።
2. ሓጺን ካብ ምድሪ፡ ኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዚወጽእ።
3. ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡ ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ።
4. ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡ ካብ እግሪ ተረሲዖም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም፡ ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ።
5. ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዚወጽእ፡ መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል።
6. እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ። ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ።
7. ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣን፡ ዓይኒ ንስሪውን ኣይረኣየታን።
8. እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋን፡ ኣንበሳውን ኣይሐለፋን።
9. ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓ፡ ነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ።
10. ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፡ ዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ።
11. ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዐብሶ፡ ንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ።
12. ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብ? ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ?
13. ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፡ ኤረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን።
14. መዓሙቚ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብል፡ ባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል።
15. ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን፡ ብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።
16. ብወርቂ ኦፊርን ብኽቡር ዕንቊን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን፡
17. ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋን፡ ነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን።
18. ብዛዕባ ኣዕናቚን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብ፡ ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ።
19. ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላን፡ ብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ።
20. ኤረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእ? ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ?
21. ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።
22. መዓሙቚን ሞትን፡ በእዛንና ወሬኣ ሰሚዕና፡ ይብሉ፡
23. ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ።
24. ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ።
25. ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉ፡ ንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ፡
26. ንዝናምሲ ሕጊ፡ ንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ፡
27.  ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻ፡ ኣቚሙውን መርመራ።
28.  ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ።

  Job (28/42)