| ← Job (28/42) → |
| 1. | ንብሩርስ መብቈሊ፡ ነቲ ወርቂውን ዚፈሰሉ ቦታ ኣለዎ። |
| 2. | ሓጺን ካብ ምድሪ፡ ኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዚወጽእ። |
| 3. | ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡ ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ። |
| 4. | ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡ ካብ እግሪ ተረሲዖም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም፡ ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ። |
| 5. | ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዚወጽእ፡ መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል። |
| 6. | እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ። ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ። |
| 7. | ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣን፡ ዓይኒ ንስሪውን ኣይረኣየታን። |
| 8. | እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋን፡ ኣንበሳውን ኣይሐለፋን። |
| 9. | ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓ፡ ነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ። |
| 10. | ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፡ ዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ። |
| 11. | ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዐብሶ፡ ንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ። |
| 12. | ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብ? ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ? |
| 13. | ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፡ ኤረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን። |
| 14. | መዓሙቚ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብል፡ ባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል። |
| 15. | ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን፡ ብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ። |
| 16. | ብወርቂ ኦፊርን ብኽቡር ዕንቊን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን፡ |
| 17. | ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋን፡ ነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን። |
| 18. | ብዛዕባ ኣዕናቚን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብ፡ ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ። |
| 19. | ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላን፡ ብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ። |
| 20. | ኤረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእ? ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ? |
| 21. | ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ። |
| 22. | መዓሙቚን ሞትን፡ በእዛንና ወሬኣ ሰሚዕና፡ ይብሉ፡ |
| 23. | ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ። |
| 24. | ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ። |
| 25. | ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉ፡ ንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ፡ |
| 26. | ንዝናምሲ ሕጊ፡ ንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ፡ |
| 27. | ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻ፡ ኣቚሙውን መርመራ። |
| 28. | ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ። |
| ← Job (28/42) → |