| ← Job (27/42) → |
| 1. | እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ |
| 2. | እቲ ንነፍሰይ ዜመርራ ዂሉ ዚኽእል፡ ንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡ |
| 3. | እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ |
| 4. | ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። |
| 5. | ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን። |
| 6. | ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን። |
| 7. | ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን። |
| 8. | እቲ ረሲእ፡ ንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ? |
| 9. | መከራ እንተ ወረዶስ፡ ኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን? |
| 10. | ወይስ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ? ኲሉ ጊዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ? |
| 11. | ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡ ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይክሐብኣልኩምን እየ። |
| 12. | እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ ኣሎኹም? |
| 13. | ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዚህቦ ዕድል፡ እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ዚቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡ |
| 14. | ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮም፡ ውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን፡ |
| 15. | እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩ፡ መበለታቱውን ኣየልቅሳን። |
| 16. | ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡ ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡ |
| 17. | ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ። |
| 18. | ከም ቊንቊነ ቤቱ ይሰርሕ፡ ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ። |
| 19. | ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእን፡ ኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡ |
| 20. | ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦ፡ ህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ። |
| 21. | ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡ ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ። |
| 22. | ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡ ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኺሀድም ይደሊ። |
| 23. | ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ። |
| ← Job (27/42) → |