| ← Job (26/42) → |
| 1. | ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ። |
| 3. | ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ። |
| 4. | ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ? እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ? |
| 5. | ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡ |
| 6. | ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡ መዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ። |
| 7. | ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ። |
| 8. | ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን። |
| 9. | ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡ ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ። |
| 10. | ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ። |
| 11. | ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡ ብተግሳጹውን ይሽበሩ። |
| 12. | ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ። |
| 13. | ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ። |
| 14. | ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል? |
| ← Job (26/42) → |