Job (26/42)  

1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ።
3. ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ።
4. ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ? እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ?
5. ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡
6. ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡ መዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ።
7. ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።
8. ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን።
9. ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡ ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ።
10. ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።
11. ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡ ብተግሳጹውን ይሽበሩ።
12. ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ።
13. ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ።
14. ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል?

  Job (26/42)