Job (25/42)  

1. ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ምልክን ረዓድን ናቱ እዩ፡ ኣብ ኣርያሙ ሰላም ይገብር።
3. ንሰራዊቱ ኪቘጽሮም ዚኽእል መን እዩ? ብርሃኑ ዘይበረቖኸ መን አሎ?
4. ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ? ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል?
5. ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።
6. ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።

  Job (25/42)