Job (24/42)  

1. ስለምንታይ እቲ ዂሉ ዚኽእል ነቲ ጊዜታት ዘይስውሮ፡ ስለምንታይ ደኣ እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልትታቱ ዘይርእይወን?
2. ንዶብ የዝብልዎ፡ ንኸብቲ ዘሚቶም የውፍርወን።
3. ንዘኽታማት ኣድጎም የሕድግዎም፡ ንብዕራይ መበለትውን ታሕዚ ይሕዝዎ፡
4. ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፡ እቶም ጥቑዓት ምድሪ ሐቢሮም ይሕብኡ።
5. እንሆ፡ ከም ኣድጊ በረኻ ምግቢ እናደለዩ ናብ ውዕለቶም ይወጹ፡ በረኻውን ንደቆም ዚኸውን ምግቢ ይህቦም።
6. ኣብ ግራት ቋርፎም ይእክቡ፡ ኣብ ወይኒ እቲ ረሲእ ይቕርሙ፡
7. ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሐድሩ፡ ኣብቲ ቚሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።
8. ብርቱዕ ማይ ኣኽራን የጠልቅዮም፡ መጸግዒ ስኢኖም ድማ ከውሒ ይሐቚፉ።
9. ንዘኽታም ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፡ ካብ መሳኺን ታሕዚ ይወስዱ።
10. ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱ፡ ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።
11. ኣብ ውሽጢ መካበብያኦም ዘይቲ ይጸምቁ፡ ኣብ መጽመቚ ይጸምቁ እሞ ይጸምኡ።
12. እህህታ እቶም ውጹዓት ካብቲ ኸተማ ይወጽእ፡ ነፍሳት እቶም ቊሱላት ይጭርሓ ኣለዋ፡ ኣምላኽ ግና ነዚ ዓመጻ ግዱ ኣይገብርን እዩ።
13. እቲኣቶም ካብቶም ንብርሃን ዚጸልኡ እዮም፡ ንጐደናታቱ ኣይፈልጥወንን፡ ኣብ መገድታቱ ኣይጸንዑን።
14. እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ተንሲኡ፡ ነቲ ድኻን ጥቑዕን ይቐትሎ፡ ብለይቲ ኸኣ ከም ሰራቒ እዩ።
15. ዓይኑ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፡ ገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒ፡ እናበለ ገጹ ይጒልበብ።
16. ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉ፡ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።
17. ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉ፡ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።
18. ቀልጢፉ ብልዕሊ ማይ ይሰፍፍ፡ ዕድሎም ኣብ ምድሪ ርጉም እዩ፡ ናብቲ መገዲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይምለስን።
19. ደርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ ይውሕጦ፡ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ዝሐጥኡ ይውሕጦም፡
20. ማሕጸን ይርስዖ፡ ሓሳኹ ብእኡ ይጸግቡ፡ ዚዝክሮውን የልቦን፡ እከይ ከም ኦም ይስበር።
21. ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድካ፡ ንመበለት ጽቡቕ ኣይገብረላን።
22. ንስልጡናት ብሓይሉ ይስሕቦም፡ ይትንስእ እሞ ኲሎም ሰብ ንህይወቶም ይቐብጽዋ።
23. ንሱ ህድኣት ሂቡ የዕርፎም፡ ኣዒንቱውን ንመገዶም ይቛመታ።
24. ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ግና ኣይርከቡን፡ ይወድቁ፡ ከምቶም ካልኦት ኲላቶም ይእከቡ፡ ከም ርእሲ ሰዊት ከኣ ይቚረጹ።
25. ከምኡ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ሓሳዊ ኺገብረኒ እዩ? ነቲ ዘረባይከ መን ከንቱ ኺገብሮ ይኽእል?

  Job (24/42)