| ← Job (23/42) → | 
| 1. | ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ | 
| 2. | ሎሚውን ቊዝማይ ይተሃላለኽ ኣሎ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ ኣላ። | 
| 3. | ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡ ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሀበኒ። | 
| 4. | ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፡ ንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ። | 
| 5. | ነቲ ዚመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎ፡ እንታይ ከም ዚብለኒ ኸኣ መስተውዐልኩ ነይረ። | 
| 6. | በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኺበኣሰኒ እዩ?ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር። | 
| 7. | ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡ አነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ። | 
| 8. | እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን። | 
| 9. | ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሔ፡ ኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሐብኤ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን። | 
| 10. | ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ። | 
| 11. | ኣእጋረይ ኣሰሩ ሕዘን፡ ተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። | 
| 12. | ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሐሎኽዎ። | 
| 13. | ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ? ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር። | 
| 14. | ነቲ እተመደበለይ ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ ኣሎ። | 
| 15. | ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበር፡ እናሐሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ ኣሎኹ። | 
| 16. | ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል የሸብረኒ ኣሎ እምበር፡ | 
| 17. | ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩን፡ ንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን። | 
| ← Job (23/42) → |