Job (22/42)  

1. ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ? ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም።
3. እቲ ዂሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ? ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ?
4. ዚዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዚእቱ፡ ስለ ዝፈርሃካ ድዩ?
5. ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን? ኣበሳኻውን መወዳእታ ዜብሉዶ ኣይኰነን?
6. ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡ ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡
7. ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮን፡ ንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡
8. ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡ እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ።
9. ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየን፡ ቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ።
10. ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡ ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡
11. ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ?
12. ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን? ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት።
13. ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ? ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ?
14. ከይርኢ ደበና ጋሪድዎ፡ ምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል ኣሎኻ።
15. በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ?
16. እቶም ጊዜኣቶም ከይበጽሔ እተቐዝፉ፡ መሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሐዘ ሰባት፡
17. ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እንታይ ኰን ኪገብረና እዩ? በልዎ።
18. ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልኤን፡ ምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሐቕ፡
19. ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ።
20. ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ።
21. እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ።
22. ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበል፡ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
23. ናብቲ ዂሉ ዚኽእል እንተ ተመለስካ፡ ንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ።
24. ንመዝገብካ ናብ መሬት፡ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ኣእማን ርባ ደርብዮ፡
25. ሽዑ እቲ ዂሉ ዚኽእል ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ።
26. ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካ፡ ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ።
27. ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ።
28. ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ።
29. እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ።
30. ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ።

  Job (22/42)