| ← Job (22/42) → |
| 1. | ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ? ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም። |
| 3. | እቲ ዂሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ? ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ? |
| 4. | ዚዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዚእቱ፡ ስለ ዝፈርሃካ ድዩ? |
| 5. | ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን? ኣበሳኻውን መወዳእታ ዜብሉዶ ኣይኰነን? |
| 6. | ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡ ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡ |
| 7. | ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮን፡ ንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡ |
| 8. | ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡ እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ። |
| 9. | ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየን፡ ቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ። |
| 10. | ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡ ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡ |
| 11. | ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ? |
| 12. | ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን? ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት። |
| 13. | ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ? ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ? |
| 14. | ከይርኢ ደበና ጋሪድዎ፡ ምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል ኣሎኻ። |
| 15. | በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ? |
| 16. | እቶም ጊዜኣቶም ከይበጽሔ እተቐዝፉ፡ መሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሐዘ ሰባት፡ |
| 17. | ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እንታይ ኰን ኪገብረና እዩ? በልዎ። |
| 18. | ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልኤን፡ ምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሐቕ፡ |
| 19. | ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ። |
| 20. | ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ። |
| 21. | እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ። |
| 22. | ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበል፡ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ። |
| 23. | ናብቲ ዂሉ ዚኽእል እንተ ተመለስካ፡ ንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ። |
| 24. | ንመዝገብካ ናብ መሬት፡ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ኣእማን ርባ ደርብዮ፡ |
| 25. | ሽዑ እቲ ዂሉ ዚኽእል ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ። |
| 26. | ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካ፡ ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ። |
| 27. | ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ። |
| 28. | ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ። |
| 29. | እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ። |
| 30. | ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ። |
| ← Job (22/42) → |