Job (21/42)  

1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒ፡ ምጽንናዕኩም እዚ ይኹን።
3. ክዛረብ እስኪ ተዐገሱኒ፡ ምስ ተዛረብኩ፡ ኣባጭው።
4. ቊዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ? ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ?
5. ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑ፡ ኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ።
6. ኣነስ እንተ ዘከርክዎ፡ የስካሕክሓኒ፡ ንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ ኣሎ።
7. ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚኣርጉ፡ ስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ?
8. ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብረ፡ሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ።
9. ኣባይቶም ፍርሃት ዜብሉ ህዱእ እዩ፡ ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን።
10. ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፡ ላሞምውን ከየቘልዔት ትወልድ፡
11. ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፡ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።
12. ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉ፡ ብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ።
13. ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ
14. ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ።
15. ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ።
16. እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡ ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ።
17. ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእ፡ መዓት ዘይወርዶም፡ ኣምላኽ ብቚጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም?
18. ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዚወስዶ ሓሰር፡ ህቦብላ ኸም ዚብትኖ ብቚቡቚ ዘይኰኑ?
19. ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዐቚሮ፡ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ።
20. ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡ ካብ ቊጥዓ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይስተ።
21. ቊጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትካ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ ኣንታይ ባህ ይብሎ?
22. ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ?
23. እቲ ሓደ፡ ምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡ ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡
24. ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡ ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት።
25. እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዐመ፡ ነፍሱ እናተመረረት እዩ ዚመውት፡
26. ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ፡ ሓሰኻውን ይኸድኖም።
27. እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣሎኹ።
28. ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ ኣሎ? እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ? ትብሉ ኣሎኹም።
29. እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም?
30. እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም?
31. ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዚዘርፎ መን ኣሎ? ነታ ዝገበራ ዚፈድዮ መን ኣሎ?
32. ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡ ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ፡
33. መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፡ ቅድሚኡ ታኣላው ዜብሎም ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ኪስዕብ እዩ።
34. ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም?

  Job (21/42)