| ← Job (21/42) → |
| 1. | ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒ፡ ምጽንናዕኩም እዚ ይኹን። |
| 3. | ክዛረብ እስኪ ተዐገሱኒ፡ ምስ ተዛረብኩ፡ ኣባጭው። |
| 4. | ቊዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ? ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ? |
| 5. | ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑ፡ ኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ። |
| 6. | ኣነስ እንተ ዘከርክዎ፡ የስካሕክሓኒ፡ ንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ ኣሎ። |
| 7. | ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚኣርጉ፡ ስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ? |
| 8. | ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብረ፡ሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ። |
| 9. | ኣባይቶም ፍርሃት ዜብሉ ህዱእ እዩ፡ ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን። |
| 10. | ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፡ ላሞምውን ከየቘልዔት ትወልድ፡ |
| 11. | ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፡ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ። |
| 12. | ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉ፡ ብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ። |
| 13. | ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ |
| 14. | ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ። |
| 15. | ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ። |
| 16. | እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡ ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ። |
| 17. | ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእ፡ መዓት ዘይወርዶም፡ ኣምላኽ ብቚጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም? |
| 18. | ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዚወስዶ ሓሰር፡ ህቦብላ ኸም ዚብትኖ ብቚቡቚ ዘይኰኑ? |
| 19. | ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዐቚሮ፡ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ። |
| 20. | ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡ ካብ ቊጥዓ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይስተ። |
| 21. | ቊጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትካ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ ኣንታይ ባህ ይብሎ? |
| 22. | ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ? |
| 23. | እቲ ሓደ፡ ምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡ ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡ |
| 24. | ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡ ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት። |
| 25. | እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዐመ፡ ነፍሱ እናተመረረት እዩ ዚመውት፡ |
| 26. | ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ፡ ሓሰኻውን ይኸድኖም። |
| 27. | እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣሎኹ። |
| 28. | ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ ኣሎ? እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ? ትብሉ ኣሎኹም። |
| 29. | እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም? |
| 30. | እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም? |
| 31. | ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዚዘርፎ መን ኣሎ? ነታ ዝገበራ ዚፈድዮ መን ኣሎ? |
| 32. | ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡ ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ፡ |
| 33. | መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፡ ቅድሚኡ ታኣላው ዜብሎም ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ኪስዕብ እዩ። |
| 34. | ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም? |
| ← Job (21/42) → |