| ← Job (20/42) → |
| 1. | ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ። |
| 3. | ዜነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዔ፡ መንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ። |
| 4. | ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? |
| 5. | ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? |
| 6. | እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበ፡ ርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሔ፡ |
| 7. | ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእ፡ እቶም ዝረኣይዎ፡ ኣበይ ኣሎ? ኪብሉ እዮም። |
| 8. | ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን። |
| 9. | እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፡ ቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶም። |
| 10. | ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡ ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ። |
| 11. | ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡ ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል። |
| 12. | ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሐብኦ፡ |
| 13. | ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበ፡ ኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዐቘሮ፡ |
| 14. | መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡ ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ። |
| 15. | ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኺተፍኦ፡ ኣምላኽ ካብ ከብዱ ኼውጽኦ እዩ። |
| 16. | ንሕንዚ ተመን ኪመጽዮ፡ መልሓስ ተመን ከኣ ኪቐትሎ እዩ። |
| 17. | ንዓይኒ ማይን፡ መዓርን ጸባን ዚውሕዝ ርባታትን ኣይኪርእዮን እዩ። |
| 18. | ነቲ ፍረ ድኻሙ ኺመልሶ፡ ኣይኪውሕጦን ከኣ እዩ፡ እቲ ዚመልሶ ብመጠን ሃብቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብእኡ ባህ ኣይብሎን። |
| 19. | ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምን፡ ንቤት በዝበዞ፡ ኣይኪሰርሖን ከኣ እዩ። |
| 20. | ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስ፡ ካብቲ ዚፈትዎ ገለ እኳ ኣይኬድሕንን እዩ። |
| 21. | ስሳዔኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡ ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይኪቐውንም እዩ። |
| 22. | ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦ፡ ኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ። |
| 23. | ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ ኣምላኽ ጓህሪ ቚጥዓኡ ኺሰደሉ፡ ኪበልዕ ከሎ ኸኣ ኬዝንመሉ እዩ። |
| 24. | ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሀደመስ፡ ቀስቲ ኣስራዚ ኺወግኦ እዩ። |
| 25. | ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡ እቲ ብልጭልጭ ዚብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡ ስምባድ ይወድቆ። |
| 26. | ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዐቚሩሉ፡ ብዘይ መናፍሕ ዚነድድ ሓዊ ኺውሕጦ፡ ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ኪበልዖ እዩ። |
| 27. | ሰማያት ንኣባሳኡ ኪቐልዖ፡ ምድሪ ኸኣ ክትልዐሎ እያ። |
| 28. | ጥሪት ቤቱ ፋሕ ኪብል፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓኡ ኺፈስስ እዩ። |
| 29. | እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡ ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ። |
| ← Job (20/42) → |