Job (2/42)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ።
2. እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ ኣሎ፡ በሎ።
4. ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ።
5. ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።
6. እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ፡ በሎ።
7. ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቊስለተ ስጋ ወቕዖ።
8. እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ።
9. ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ? ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት፡ በለቶ።
10. ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሐጥኤን።
11. ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ፡ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዐዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሐዝንን ከነጸናንዖንሲ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ ተባሃሀሉ።
12. ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ።
13. ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።

  Job (2/42)