Job (18/42)  

1. ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ክሳዕ መኣዝከ ኢኹም ዘረባ ዘይትውድኡ? ኣስተብህሉ፡ ደሓር ንዛረብ።
3. ስለምንታይ ከም እንስሳ ተቘጸርና፡ በዒንትኹምስ ከም ርኹሳት ተርኤና፡
4. ኣታ ብዂራኻ ንነፍስኻ እትብሕጅር፡ ምድሪ ምእንታኻዶ ትባድም? ከውሕስ ካብ ስፍራኡዶ የግልስ?
5. እወ፡ ብርሃን እቲ ረሲእ ይጠፍእ፡ ሃልሃልታ ሓው ኣይበርህን።
6. ኣብ ድንኳኑ እቲ ብርሃን ኪጽልምት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቐንዴልውን ኪጠፍእ እዩ።
7. ስጒምቲ ሓይሉ ይሐጽር፡ ምኽሪ ርእሱ የውድቖ።
8. ኣእጋሩ ናብ መጻወድያ የእትዋኦ፡ ኣብ ልዕሊ ወጽመድ ይመላለስ እዩ እሞ፡
9. ብሸዀናኡ ወጽመድ ይሕዞ፡ መፈንጠራውን የጽንዖ።
10. ኣብ ምድሪ ገመድ፡ ወጽመድ ኣብ መገዲ ተሐቢኡሉ።
11. ፍርሃት ከኣ ብዂሉ ወገን የጨንቖ፡ ናብ ዝኸዶ ዘበለውን ይሰጎ።
12. ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፡ መዓትውን ኣብ ጥቓኡ ተዳልዩ ይጸንሕ።
13. ንኣባላት ኣካሉ ይበልዖ፡ እወ፡ ናይ ሞት በዂሪ ወዲ ንኣባላቱ ይበልዖ።
14. ካብቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይምንቈስ፡ ናብቲ ንጉስ ረዓድ ይውሰድ።
15. ዘይሰቡ ኣብ ድናኳኑ ይሰፍሩ፡ ኣብ ማሕደሩውን ዲን ይንስነስ።
16. ኣብ ታሕቲ ሰረውሩ ይነቅጽ፡ ኣብ ላዕሊውን ጨናፍሩ ይቚረጽ።
17. ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፡ ኣብ ኣደባባይ ስሙ ኣይስመን፡
18. ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፡ ካብ ዓለምውን ይስጐጒ።
19. ኣብ ማእከል ህዝቡ ውሉድን ደቂ ደቅን ኣይሐድግን፡ ኣብ ማሕደሩ ትርፊ የልቦን።
20. በታ መዓልቱ እቶም ዳሕሮት ይድነቑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ጸጒሮም ይኽየፍ።
21. ስፍራ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ እዚ እዩ።

  Job (18/42)